2ይ ጉባኤ ፖለቲካዊ ውድባት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) 2ይ ጉባኤ ፖለቲካዊ ውድባት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ጉባኤ “ዕቤት ምምሕዳር፤ ፖለቲካዊ ውድባት ንመፃኢ ዕድል ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዝቐርፁ እዮም” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ሙዚየም ይካየድ ኣሎ።

ኣብዚ ኣህጉራዊ መድረኽ ሚኒስተራት፣ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ኣባላት ፓርላማ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን፣ ተወከልቲ መሻርኽቲ ልምዓትን ዲፕሎማሰኛታትን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መደብ እቲ ጉባኤ፣ ጉባኤ ፖለቲካዊ መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካን መድረኽ ፖለቲካዊ መናእሰይን ክካየዱ እዮም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

ብመሳፍንት ብርሌ

Comments (0)
Add Comment