ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሃገራት እቲ ዞባ ብፍላይ ንኤርትራ ተረባሕነት ዘረጋግፅ እዩ – ኣባላት ፓርቲ ሰማያዊ ማዕበል

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሃገራት እቲ ዞባ ብፍላይ ንኤርትራ ተረባሕነት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም ኣባላት ፓርቲ ሰማያዊ ማዕበል።

ኣባላት እቲ ፓርቲ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝበልዎ፣ ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ ሕቶ በሪ ባሕሪ ቅቡልነት ዘለዎን ነቲ ዞባ ወሳኒ ጉዳይን እዩ።

ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ ምርካቡ ኣብቲ ዞባ ሓያል ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንኽፍጠር ዘኽእል ምዃኑ ብምግላፅ፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ዓብዩ ምንቅቓሕ ዝፈጥርን ማዕረ ተረባሕነት ዘረጋግፅን ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ኣባል ፓርቲ ሰማያዊ ማዕበል ኣይተ ኤፍሬም ሃብተ ከምዝገለፅዎ፣ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንሃገራት እቲ ዞባ እውን ዝጠቅም እዩ።

እቲ ሕቶ ምላሽ ምርካቡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ሓዊሱ ናይ ዕዳጋ ዕድላትን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ጉዳያትን ምላሽ ዝህብ እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ብዘለዋ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሳስልዋ ብዙሓት ጉዳያት ከምዘለዉዋ እውን ገሊፆም።

ካልእ ኣባል እቲ ፓርቲ ዝኾኑ ደጀን ብርሃነ ብወገኖም፣ እቲ ዝቐረበ ሕቶ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ማዕረ ተረባሕነት ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም።

እቲ ጉዳይ ንኽልቲአን ሃገራት ብዝጠቅም መንገዲ ብምስምማዕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቴክኖሎጂ፣ ሰላምን ፀጥታን ከምኡ’ውን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብሓባር ብምስራሕ ንሓባራዊ ልምዓት እተን ሃገራት ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል ኣረዲኦም።

ስርዓት ሻዕቢያ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ሃገሩ ማዕረ ተረባሓይ ከይኸውን ካብ ምግባር ብተወሳኺ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ጎንፂ ብምፍጣር ስልጣኑ ንምንዋሕ ይጥቀመሉ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

Comments (0)
Add Comment