መቐለ 70 እንደርታ ንፋሲል ከነማ ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 28 ሰሙን ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ንፋሲል ከነማ 3 ን 0 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።

ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ መቐለ 70 እንደርታን ዝተዓወተትለን ሸቶታት ቦና ኣሊ (2)ን ሚሊዮን ወልዴን ኣመዝጊቦምወን።

ፀወታ እቲ ሊግ ቀፂሉ እንትካየድ ምሸት ሸዓት 12 ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ክራኸባ ኢየን።

Comments (0)
Add Comment