መዓልቲ ፅባሕ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጳጉሜን 5 መዓልቲ ፅባሕ ኣመልኪቶም ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ

መዓልቲ ፅባሕ

ሃገራዊ ስግግር ቴክኖሎጂ

ካብ ወረቐት ናብ ዲጂታል፤ ካብ ተጠቃማይነት ናብ ፈጣራይነት! ካብ ትማሊ ብምምሃርን ብምእራምን ንሎሚ ብዝለዓለ ትግሃት ብምህናፅ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መዓልታዊ ባህሊና እናኾነ ይመፅእ ኣሎ።

ንግዲን ኣገልግሎትን የቀላጥፍ፣ ሓበሬታታት ተበፃሒ ይገብር፣ ሰፈራት ድማ የዘምን! ምንቅስቓስ ጎስጓስ 5 ሚልዮን ኮደራት ኢትዮጵያ መናእሰይ ፈጠርቲ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ብምግባር ናብ ሸቶና 7 ሚልዮን ኮደራት እናተጓዓዘ እንትኸውን፤ ተበፃሕነትን ፅሬትን ዲጂታል ኣገልግሎት ኣረጋጊፁ እዩ።

ብዓቕሚ ውሽጢ ሃገር ዝማዕበለ ሉኣላውነት ሳይበርና ድማ ክንቆፃፀሮም ካብ ዘይንኽእል ቴክኖሎጂታት ዝነበረ ፅግዕተኛነት ብምንጋፍ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ክትቀውም እትኽእል ሓዳሽ ኢትዮጵያ ኣብ ልዑክ ምዕራፍ ከምዘላ ብኩርዓት የብስር!

#DigitalEthiopia2030

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment