ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ምሕዝነት ዘፈር መዓድን ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ሓባራዊ ረብሓ ዘረጋግፅ እዩ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ኣብዱልዋሳ ኣብዱላሂ (ዶ/ር)።
እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ብምትሕብባር ልዑል ረብሓ ኣብ ዘለዎም መዓድናት ዘተ ፖሊሲ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣውሮፓ፣ ተመራመርቲ ዘፈር መዓድን፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲን መዳርግቲ ኣካላትን ተሳቲፎም።
ኣብዱልዋሳ ኣብዱላሂ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ዘፈር መዓድን ንኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ዓንዲታት ኢኮኖሚ ሓደ እዩ።
እቲ ዓውዲ ንኢንቨስትመነት ወፃኢ ምቹው ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ምፅንሖም ኣዘኻኺሮም።
ዘፈር መዓድን ንምጥንኻር ዲፕሎማሲ ኢኮኖሚ ኣገዳሲ ግደ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘፈር ዘለዋ ዓቕሚ ንምጥቃም ትኹረት ገይራ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆም።
ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዝግበር ምሕዝነት ኢንቨስትመንት ንምጥንኻር ንዘፈር መዓድን ከም ሓደ ኣማራፂ ንምጥቃም ትልሚ ከምዘሎ እውን ኣመልኪቶም።
ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝፍጠር ምሕዝነት ብዙሕ ዓይነት ረብሓታት ከምዘምፅእ ተገሊፁ።
እቲ ዓውዲ ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ልውውጥ ልምዲን ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ልዑል ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
ብሄብሮን ዋልታው