ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምት፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 2019 በጀት ዓመት ኣልከትቲ ኢኮኖሚ ዝተጠናኸረ ዕቤት ኢኮኖሚ ከምዝህሉ የመልክቱ ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)።
ኮሚቴ ፖሊሲ ገንዘብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ሻምናይ ኣኼባኡ ሎሚ ኣካይዱ።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፤ ኣብ ፍርያት ሲሚንቶ፣ ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ፍርያት ሓፂንን ዝተረኣዩ ምምሕያሻት ብሓፈሻ ዘፈር ኢንዱስትሪ ንቑሕ ምንቅስቓስ ከምዝህልዎ ዘመልክቱ እዮም።
ዋና ዋና ኣመላኸትቲ ዘፈር ኣገልግሎት ማለት ፍሰት ቱሪስት፣ ትራንስፖርት ኣየርን ቀረብ ልቓሕን ዘርአዩዎ ምምሕያሻት እቲ ዓውዲ ብዝያዳ ከምዝዓቢ ዘመልክቱ ምዃኖም ገሊፆም።
ከምኡ ውን ሰደድ ወርቂ፣ ሓፈሻ እቶት ካፒታልን ጥረ ኣቑሑትን ነቲ ዕቤት ከምዘጠናኽሩዎ ኣብሪሆም።
መሰረታዊ ገንዘብ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም 2019 ክሳብ 87 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ዓመታዊ ዕቤት ከምዘመዝገበ ብምሕባር፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ምስ ዝተመዝገበ 72 ነጥቢ 6 ሚእታዊ እንትነፃፀር ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊፆም።
ዓመታዊ ዕቤት ሓፈሻዊ ቀረብ ገንዘብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበሮ 33 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ 40 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ከምዝዓበየ ብምፅራሕ፤ እዚ ድማ ምስቲ ትፅቢት ዝግበር ሃገራዊ ፍርያት እንትነፃፀር ልዑል ምዃኑ ኣብሪሆም።
ቅድሚ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኣብ ዕቤት ሓፈሻዊ ገንዘብ ውሽጣዊ ልቓሕ ልዑል እጃም ከምዝነበሮ ብምዝኽኻር፤ ሕዚ ግና ፅሩይ ክዙን ሸርፊ ወፃኢ ዝለዓለ እጃም ሒዙ ከምዘሎ ኣልዒሎም።
ኣብ ቀዳማይ ርብዒ እቲ በጀት ዓመት ዘፈር ባንኪ ትሑት መጠን ዝተበላሸወ ልቓሕን እኹል ካፒታልን ዘለዎ ብምዃኑ፤ ጥዑይን ዝተረጋገአን ኮይኑ ከምዝቐፀለ ከምዘርኢ ተዛሪቦም።
ክዙን ተቐማጢ ገንዘብ ባንኪታት ኣብቲ ርብዒ ዓመት 85 ነጥቢ 4 ሚእታዊ፣ ሓፈሻዊ ክዙን ልቓሕ ድማ 4 ነጥቢ 6 ሚእታዊ ዓመታዊ ዕቤት ከምዘመዝገቡ ኣመልኪቶም።
ስርዓት ፖሊሲ በጀት ጥንቃቐ ዝተመልኦ ምስ ጥቡቕ ፖሊሲ ገንዘብ ብሄራዊ ባንኪ ዝተሰማዕምዐን ምስ ኣጀንዳ ሓፈሻዊ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተናበበን ከምዝነበረ ኣመልኪቶም።
መንግስቲ ኣብዚ በጀት ዓመት ካብ ብሄራዊ ባንኪ ዝኾነ ይኹን ልቓሕ ስለዘይወሰደ፤ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ልቓሕ ከይወሰደ ዝፀንሓሉ እዋን 27 ወርሒ ከምዝሓለፈ ገሊፆም።
እዚ ድማ ንምቁፅፃር ናህሪ ዋጋ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ ኢሎም።
ብመልካም ፈቃዱ