ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝተፈፀመ ክሕደት ኮይኑ ንሓዋሩ ዘይርሳዕ እዩ።
እቲ ሰራዊት ሉኣላዊነት ሃገር፣ ድሕንነት ዶብን ሰላም ህዝቢን ዝሕሉ ዋልታን ማእገርን ሃገር እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንናፅነታን ሉኣላዊነታን መስዋእቲ ብምኽፋል መንነታ ዘኽበረት ሃገር እያ። ሉኣላዊነትን ክብሪን እዛ ታሪኻዊት ሃገር አእንተይተደፈረ ክሳብ ሕዚ ክቕፅል ዝኸኣለ ድማ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘበን ብደሙን ዓፅሙን ንሃገር ዘቖመ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዩ።
ታሪኻዊ መሰረት እቲ ሰራዊት ምስ ጉዕዞ ናፅነት ሃገርና ብጥብቂ ዝተኣሳሰረ ኮይኑ፤ ዶብ ሃገር ናይ ምኽባር ልኡኽቱኡ ብብቕዓት እናፈፀመ ፀኒሑ እዩ።
ናይ ወፃኢ ወረርቲ ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምድፋር ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን፣ እቲ ሰራዊት ብዝተፈላለየ መልክዕ ብምውዳብን ብምስላፍን መስዋእቲ ብምኽፋል ሃገር ኣኽቢሩ እዩ።
እዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክሳብ ሎሚ ቀፂሉ፤ ዘበናዊ ሜላ ውግእ፣ ቴክኖሎጂን ሳይንሳዊ ኣሰራርሓን ብምውህሃድ ንዶባት ኣየርን ምድሪን ሃገር ብሓይሊ ናይ ምሕላው ልኡኽቶኡ እናፈፀመ ይርከብ።
24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ እዚ ተረካቢ ታሪኽ ዝኾነ ሰራዊት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ከቢድ ክሕደትን ልዑል ጅግንነትን ብሓደ ምሸት ዝተፈጠሩላ ዕለት ነይራ።
ኣብታ ዕለት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ልምዓትን ማሕበራዊ ህይወትን ህዝቢ ትግራይ ተኣሳሲሩ ዝፀንሐን ዶብ ኢትዮጵያ እናሓለወ ዝፀንሐን እዚ ሰሜን ንእኩይ ዕላማኡ ክብል ናይ ክሕደት መጥቃዕቲ ፈፂሙ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሃገር ንምፍራስን ብተቓውሞ ህዝቢ ዝሰኣኖ ስልጣን ዳግም ንምርካብን ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ናይ ክሕደት መጥቃዕቲ፤ ብጀጋኑ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝተኻየደ ወፍሪ ፀረ መጥቃዕቲን ምኽባር ሕጊን ተመኪቱ።
እንተኾነ ግና ኣብቲ ዕለት ዝተፈፀመ ተግባር ዝኾነ ሰብኣዊነትን ወታደራዊ ስነ ምግባርን ዘይተኸተለ ኣረሜናዊ ተግባር እቲ ጉጅለ ከምኡ እውን ሰራዊት ምክልኻል ንኽብሪን ሉኣላዊነትን ሃገር፣ ንፍቕሪን ክብሪን ዜጋታት ክብል ዝኸፈሎ መስዋእቲ ንሓዋሩ ኣይርሳዕን።
ብሚኪያስ ኣየለ