ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 9፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 130 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋን ብቕልጡፍ እናዓበየት ትርከብን ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶኣ ብትምኒት ጥራሕ ዝተርፍ ኣይኮነን።
ኢኮኖሚን መፃኢ ዕድልን ኩሉ ግዜ ዝተኣሳሰሩ ብምዃኖም በሪ ባሕሪ ወሳኒን ኣገዳዲን ጉዳይ እዩ።
ኢትዮጵያ ብዝጀመረቶ ዘደንቕ ትግሃት ምስፋሕ ኢንዱስትሪ፣ ምዕባለ ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻኣ፣ ከምኡ እውን ምዕባለ ፍርያት ሓይሊ ክብ ምባሉ ልዑል ዝላ እዩ፤ እንተኾነ ግን ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኮይና ምቕፃላ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነታ ይድርቶ ኣሎ።
እታ ሃገር ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ብሽርሒ በሪ ባሕራ ካብ ዝሰኣነትሉ እዋን ኣትሒዙ ልዕሊ 90 ሚእታዊ ናይ ወፃኢ ንግዳ ብቐንዱ ኣብ ክራይ ወደብ ዝተመርኮሰ ብምዃኑፃ ንከቢድ ወፃኢ ክራይ ወደብ ተቓሊዓ ፀኒሓ።
ኢትዮጵያ ንክፍሊት ወደብን ወፃኢ ሎጂስቲክስን ጥፃ ኣብ ዓመት እተውፀኦ ቢልዮናት ዶላር ንትካላት ጥዕናን ትምህርቲን፣ ከምኡ እውን ንብዙሓት ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት እንተ ዝውዕል ዓብዪ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል እዩ።
ብቕልጡፍ እናዓበዩ ካብ ዘለዉ ቁጠባታት ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ፤ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኮይና ምቕፃላ ሃገር በቆል ለኣኽቲ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ተወዳደርቲ ከይኾኑ ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ።
እቲ ሓቂ እዚ እኳ እንተኾነ፤ ኢትዮጵያ እተልዕሎ ዘላ ኣገዳሲ ሕቶ ብምጥምዛዝ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምትላል ብዙሓት መሰረት ዘይብሎም ክሲታት ክዝርግሑ ይስትውዓል።
ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ንሉኣላውነት ካልኦት ሃገራት ዝዳፋእ ወይ እውን ጎንፂ ዘለዓዕል ዘይኮነስ ንሓባራዊ ልምዓት እቲ ዞባ ዝጠቅም ሓዱሽ መንገዲ እዩ።
እዚ ድማ ካብ ግስጋሰ ልምዓት እታ ሃገር ብምብጋስ ንሰፊሕ ገማግም ባሕሪ እቲ ዞባ ናብ ኢኮኖሚያዊ ሃፍቲ ንምልዋጥ ዘድሊ ትኽክለኛ ዓቕሚ ንግዲን ኢኮኖሚያዊ ውህደትን ዘረጋግፅ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘይብላ ምዃን ካብ ተፈጥሮኣዊ ጂኦግራፊ ዘይኮነስ፣ ካብ ታሪኻዊ ጌጋታትን ናይ ዝሓለፈ ዘበን ውሽጣዊ ምክፍፋላትን ዝመፅአ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ እዮም።
እዞም ታሪኻዊ ጌጋታት ብዲፕሎማሲን ብኢኮኖሚያዊ ውህደትን ምእራም ንመፃኢ ወለዶ ዝኽፈል ግቡእ እዩ።
ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወናንነት በሪ ባሕራ ዳግም ምርግጋፅ ንመላእ እቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን ከምኡ እውን ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዘለዋ ታሪኻዊ እጃም ዝያዳ ዘደልድል እዩ።
ኢትዮጵያ እተቕርቦ ዘላ ፃውዒት ሕውነት፣ ንግዲን ሓባራዊ ዕቤትን ምቕባል፤ ነቲ ዞባ ናብ ዝተኣሳሰረ ኢኮኖሚያዊ ቦታ ዘሰጋግሮ እዩ።
ናይ ኢትዮጵያ ወናንነት በሪ ባሕሪ ብመትከል ሓባራዊ ልምዓት ምርግጋፅ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝርከባ ሃገራት ዝሓሸ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዝፈጥር እዩ።
ብምህረት ደምሴ