ስሩዕ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሽመት ዳያኑ ብምፅዳቕ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንክልተ መዓልቲት እናተኻየደ ዝፀንሐ መበል 5ይ ዓመት 6ይ ዘበን ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሽመት ዳያኑ ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮሚያ ገዛሊ ኣባሲመል ተሸወምቲ ዳያኑ ናብቲ ጨፌ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ክልል ኣወሃህባ ዳይነትን ፍትሒን ንምስላጥ እቲ ዓውዲ ብሓይሊ ሰብ ንምጥንኻር ብስፍሓት ተሰሪሑ።

ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ንምጥንኻር ዝበረታታዑ ተግባራት ከምዝተወገኑ ብምሕባር፥ ነቲ ጨፌ ካብ ዝቐረቡ 94 ናይ ወረዳ ሽመት ዳያኑ 30 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ከምዝኾና ገሊፆም።

እቲ ጉባኤ ምውጋን ስራሕ በጀት ዓመትን ዝገምገመ እንትኸውን፥ ኣንፈት ስራሕ በጀት ዓመት 2019 ብምቕማጥ ተዛዚሙ።

ብኣቤል ነዋይ

Comments (0)
Add Comment