ስርቂ ዘይሕጋዊ ጅለ ህወሓት ክሳብ እርጋን

ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ስልጣን ዘይሕጋዊ ጅለ ህወሓት ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ተግባራትን እናተወግአት፣ ብስርቂ ድማ እናማሰነት ፀኒሓ እያ።

ኣነ በይነይ ክበልዕ ብዝብል መርዘኛ ኣተሓሳስባ ዝተበከለ እቲ ዘይሕጋዊ ጅለ፤ ኣብቶም ኣብ ስልጣን ዝፀንሐሎም ዓመታት ንሃገርን ህዝቢን ብዘይምግዳስ ብስስዐ ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ዝርፊያ፣ ስርዓታዊ ስርቂን ምዝበራ ኢኮኖሚን እናፈፀመ ፀኒሑ እዩ።

እዚ ኣሰራርሓ እዚ ንመንግስታዊ ውዳበ ከም ውልቃዊ ንብረት ብምጥቃም ካብ ረሃፅን ንብዓትን ህዝቢ እናተመገበ እዚ ኣሰራርሓ ነታ ሃገር ናብ ጫፍ ገደል ኣብፂሑዋ ከምዝነበረ ታሪኽ ኣይርስዖን።

እቲ ሞተር ዕቤት ሃገር ዝነበረ ኢንቨስትመንት ኣብ ኢድ እቶም ስሱዓት ብምውዳቑ ብምዝበራን ስርቂን ተጠሊፉ ልቢ ሃገር ዝነበረ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክዳኸም ገይሩዎ።

ንዕቤት ሃገር ወሳኒ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ እውን ንሓቀኛታት ሰብ ሃፍቲን ሃገርን ተጠቀምቲ ካብ ምግባር ወፂኡ ብምስጢራዊ ሸንሸል ረብሓ ምስቲ ጅለ ዝተሻረኹ ዘይሕጋውያን ጥራይ ክወሃብ ብምግባሩ፣ ንኢኮኖሚዊ ናፅነት ሃገር ዝጎድእ ከቢድ ሓደጋ ኮይኑ ሓሊፉ እዩ።

ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ልቓሕን ሓገዝን ከምኡ እውን ካብ ውሽጢ ሃገር ዝእከብ ግብሪ ንማሕበራዊን ቁጠባዊን ልምዓት ህዝቢ ክውዕል እናተገበኦ ናብ ጅባ ውሑዳትን ኣብ ወፃኢ ሃገር ናብ ዝርከቡ ምስጢራዊ ናይ ባንኪ ኣካውንታትን ይውሕዝ ነይሩ።

ብረሃፅ ህዝቢ ዝተረኸበ ሃፍቲ ሃገር ንውሑዳት እንተፍትም፤ ኢትዮጵያዊ ኣብ ሃገሩ ጓና ኣብ ሃፍቱ ድማ ግሉል ኮይኑ ዕጭኡ ድኽነት፣ ስደትን ኣብ ኣለሻ ዕለታዊ ኩላሶን ክውዕልን ተገዲዱ።

እዞም ፃምእ ስርቂ ዘድረቖም ጉሮሮታት ድማ ካዝና ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ንምስራቕ ክድቅሱ ኣይከኣሉን።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሰራውር ደምን ምልክት ትንሳኤ ብራኸ ኢትዮጵያውያን እኳ እንተኾነ፤ እቶም ጥምየት ስርቂ ዘይወፅአሎም ኣእዳው ዘይሕጋዊ ጅለ ህወሓት ግን ዜጋታት ካብ ኩላሶኦም ቆሪሶም ንኽብሪ ሃገር ዝኣከብዎ ሓደራ ዘሚቶምዎ።

ውዕላት ግዙፋት ፕሮጀክታት ልምዲ ንዘይብሎም ተቛረፅቲ ብምሃብን በጀት ብምብኻንን ግኑን ታሪኽ ዕቤትን ብልዑል ምድንጓይን ብኽነትን ኣቑሲሎምዎ።

ሎሚ እውን እንተኾነ ብሓገዝ ናይ ደገ ሓይልታት እናተመርሐ ድሌት ፀላእቲ ንምፍፃም ኣብ ብምርኩስ እናተጎተተ ዝርከብ እቲ ዘይሕጋዊ ጅለ፤ ኣብ መወዳእታ ዕድሚኡ እውን እንተኾነ ጫፍ ስርቂ ክሓድግ ፃዕረ ሞት ኮይኑዎ ኣሎ።

ብሄብሮን ዋልታው

Comments (0)
Add Comment