ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ፋይናንስ ኣብ እንሃንፀሉ ታሪኻዊ እዋን ንርከብ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ስርዓት ጥዕና ኣፍሪካ ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ፋይናንስ ኣብ እንሃንፀሉ ታሪኻዊ እዋን ንርከብ ኢሎም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፤ ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ህፁፅ ጉባኤ መራሕቲ ጥዕና ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ኢትዮጵያ ተሞክሮን ናይ መፃኢ ኣንፈት ጥዕና ኣህጉር ኣፍሪካን ዘለዋ ቆራፅነትን ከም ዘካፈሉ ገሊፆም።

ካብ ወፃኢ ዝወሃብ ሓገዝ እናነከየ ምምፅኡ ንኣህጉርና ልዐል ፈተና ይኹን እምበር፤ ኣብ ናይ ባዕልና ዓቕሚ ዝተመስረተ፣ ፅኑዕን ዘላቒን ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ዓብዪ ዕድል ከም ፈጢሩልና ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ጉባኤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ፣ ቲቢን ዓሶን ካብ ስግኣት ጥዕና ሕብረተሰብ እነወግደሉ፣ ምክልኻል ዝከኣል ሞት ኣዴታትን ህፃናትን እንዓግተሉን ዘላቒ ዓቕሚ ፋይናንስ እነጠናኽረሉን ኣህጉራዊ ፍኖተ ካርታ ዝሕንፀፀሉ ታሪኻዊ ምዕራፍ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ራኢ ርእሰ ምኽኣል ምሰረት ብምግባር ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘመዝገበቶም ዓወታት ኣብቲ መድረኽ ከም ዘካፈለት ገሊፆም።

ኣፍሪካ ብናይባዕላ ዓቕሚ ዝምራሕ ጥንኩር ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ዘኽእል እኹል ፍልጠት፣ ትካላትን ተመኩሮን ከም ዘለዋ እውን ኣገንዚቦም።

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣህጉራዊ ሸቶታት ንምዕዋት ዘድልየና ፖለቲካዊ ቆራፅነት ናብ ጭቡጥ ተግባር ምቕያር ጥራይ እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ማእከል ምክልኻልን ቁፅፅርን ሕማማት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ምስ ኣባል ሃገራት ብምትሕብባር ጥዑይትን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ንምህናፅ እትገብሮ ፃዕሪ ብዝበለፀ ከም እተጠናኽር ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment