ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ሽርክና ኢኮኖሚ ሃገራት ኣፍሪካን ባሕረ ሰላጤን ንምጥንኻር ብቖራፅነት እናሰርሐት ትርከብ ኢሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ።
ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ሃገራት ኣፍሪካን ባሕረ ሰላጤን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ዝዓለመ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ከም ዝበሉዎ፤ ስትራቴጂካዊን ዘላቕን ሽርክነት ሃገራት ኣፍሪካን ባሕረ ሰላጤን ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምፍጣር ልዑል እጃም ይፃወት ኣሎ።
ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ስሉጥ ኢኮኖሚያዊ ስግግር፤ ኣብ ዓለም ብቕልጡፍ እናዓበዩ ካብ ዝርከቡ 15 ኢኮኖሚታት 7 ኣብ ኣፍሪካ ከምዝኾኑ ትፀቢት ከምዘሎ ገሊፆም።
ስምምዕ ኣህጉራዊ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ድማ ልዑል ዓለምለኻዊ ንግዲ ዞባ ብምፍጣር ንኢንዱስትሪ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ሓደሽቲ ዕድላት እናኸፈተ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ኣብዚ እዋን ኣፍሪካ ናይ ኢንቨስትመንት መብፅሒት ምዃና ብምስፋሕ ኣብ ውሕስና ምግቢ፣ ዝሕስ ሓይሊን ዓለምለኻዊ ምትእስሳር ቀረብን ስትራቴጂካዊት መሻርኽቲ እናኾነት ትመፅእ ከም ዘላ ተዛሪቦም።
ሃገራት ባሕረ ሰላጤ ድማ ፈንድታት ሉኣላዊ ሃፍቲ ብምጥቃም ኣብ ዓውዲታት መሰረተ ልምዓት፣ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ቴክኖሎጂ፣ ፋይናንስን ሕርሻን ዓበይቲ ኢንቨስትመንታት እናገበራ ከምዝርከባ ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ምትሕብባር ብምጥንኻር፣ ዝእመንን ዝስሕብን ሕጊን ፖሊሲ ኢንቨስትመንትን ብምስንዳእ ምህዞ ዝተወሰኸሉ ጥንኩር ስርዓት ትግበራን ክትትልን ምጥያሽ ከም ዘድሊ ኣመልኪቶም።