ስነ-ልክ ቐፃሊ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ፅሬት ዝተመስረተ ንምግባር ወሳኒ እዩ – ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ-ልክ ቀፃሊ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ፅሬት ዝተመስረተ ንምግባር ወሳኒ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)።

መበል 19 ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካል ስነ-ልክ ኣፍሪካ (AFRIMETS)፣ “ስነ-ልክ ንዲጂታላዊ ስግግር፤ እሙናት ልክዒታት ንመፃኢት ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ቃል ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ መንደር ፅሬት ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ከም ዝገለፁዎ፤ ስነ-ልክ ቐፃሊ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ፅሬት ዝተመስረተ ንምግባር ወሳኒ እዩ።

ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዕውትቲ ንኽትከውን ኣብ ሓበራዊ ልምዓትን ፅሬትን ዝተመስረተ ምትእስሳር ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም።

ተራባሕነት ሃገራት ንምርግጋፅ ጥንኩራት ትካላትን ብቑዓት ክኢላታትን ምፍራይ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ኣቦ ወንበር ትካል ስነ-ልክ ኣፍሪካ ሄንሪ ሮቲች (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣገልግሎታት ብሙሉኦም ናብ ዲጂታል ስርዓት ኣብ ዝሰጋገረሉ እዋን ስነ-ልክ ቀንዲ ትኹረት ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ናይ ምእካብ ተራኣ እናበርትዐት ከም ዝቐፀለት ብምሕባር፤ መንደር ፅሬት ኢትዮጵያ መሰረተ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይታ ሃገር ቀፃሊ ልምዓት ዘመላኽት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነ-ልክ ኢትዮጵያ ሙሉጌታ ደርበው (ዶ/ር)፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት እቲ ዓውዲ ግዚኡ ምስ ዝጠልቦ ዝሰማማዕ ዓቕሚ ንምህናፅ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ፅሬት መሰረተ ልምዓት ብውፅኢታዊ መንገዲ ንምትግባር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝህብ ኣመልኪቶም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

Comments (0)
Add Comment