ሽርሒ ባዕዲን ባንዳ ኣስፈፃሚ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ጅለ ህወሓት

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ዘበናት ዝነበሩ ብዙሓት ፀገማትን መሰናኽላትን ብቆራፅነት፣ ብሓድነትን ጅግንነትን ደቃ ተሳጊራ ንትውልዲ ክትፀንሕ ክኢላ እያ።

ኣብዞም ናይ ሺሕ ዓመታት ፅቡቕን ከቢድን ጉዕዞታታ ውሽጣዊ ፀገማትን ካብ ደገ ዝተፈነዉ ማሕለኻታትን ብዓወት ተሳጊራ ክሳብ ሕዚ በፂሓ እያ።

ኢትዮጵያ እትርከበሉ ዞባ፣ ታሪኽ ናፅነታን ተፈጥሮኣዊ ሃፍታን ናይ ውሽጢን ወፃኢን ፀላእታ ከይድቅሱላ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

በቢእዋኑ ዘጋጥሙዋ ማሕለኻታት ጎድና ጎድኒ ብደጋዊ ሓይልታትን ልኡኽቶ ተቐበልቲ ዝኾኑ ውሽጣዊ ታሪኻዊ ፀላእታን ዝእለሙ ፈተናታት እዮም።

ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ንሺሕ ዓመታት እናተጠቐመትሉ ዝፀንሐት ቀይሕ ባሕሪ ከይትምለስን ከይትጥቀመሉን ንምግባር ፋሕጠርጠር እናበለት እንትትከውን፤ ካሊእ ታሪኻዊት ፀላኢት ግብፂ ድማ ብባዕዳዊ ተሸኺላ ሩባ ኣባይ ናተይ ጥራሕ እዩ ብዝብል ኣተሓሳስባ ብሓገዝ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተለኣኣኽቲ ባንዳታት ዕንቅፋት እናፈጠረት ነይራ እያ።

ዋላ እኳ ሩባ ኣባይ ብፅኑዕን ቆራፅን ስጉምቲ ደቃ ገፁ ናብ ኣዶ ሃገሩ ብምዛር ሓጋዚ ልምዓት ይኹን እምበር ሕዚ እውን ካብ እቲ ዘለዋ ኣበሳ ዘለዎ ተግባር ኣይዓረፈትን።

ምስዚ ተተሓሒዙ “ፅምዶ” ዝተብሃለ ናይ ባዕዳውያንን ባንዳታትን እኩብ ይለዓል። ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓትን ካልኦት ፅንፈኛታት ጅለታትን ልኡኽቶ ብምቕባል፣ ኤርትራን ግብፂን ድማ ብድሕሪት ኮይነን ዝዝውረኦ እዩ።

ስልጣን ብሓይሊ ንምሓዝን ብፀቢብ ጉጅለኣዊ ረብሓ ዝዝወሩ ካልኦት ኣካላትን ንእኩይ ዕላማታቶም ብምውዳብን ሃገራዊ ትካላት፣ ናይ ህዝብን ታሪኽን ክብርታት ንምንጋዕ ልኡኽቶ ብምቕባል እናተቓለሱ ይርከቡ።

እዚ ጥምረት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ንምኽላእን ካብ ልምዓት ንምትዕንቓፍን ዓሊሙ ይሰርሕ ኣሎ። ዕላማ እቲ ጉጅለ ድማ ነቶም ኣብ ሽሕ ዓመታት ድሙቕ ታሪኽ ዝተሃንፀት ኢትዮጵያ ሃገራዊ፣ ማሕበራዊን ሰብኣዊን መሰረታት ብእኩይ ተልእኾኡ ምህሳስ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ እኩይ ፅምዶ ዝገብሮ ዝተዋደደ ሽርሒን ናይ ሕሶት ሓበሬታን ብምርዳእ ሃገሩ ብሓባር ክሕሉ ይግባእ።

ብሓበራዊ ዓቕሚ ትኽክለኛ ሓቂ እታ ሃገር ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምግላፅ ዲፕሎማሲያዊን ህዝባዊን ሜላ ርክብ ብምጥቃም ናይዚ ጉጅለ ኣፍራሲ ኣጀንዳ ምፍሻል ይግባእ።

ልምዓትን ሰላምን እታ ሃገር ብዘተኣማምብ ኩነታት ክቕፅል ዝከኣል ናይ ባንዳታት ውጥን ብምፍሻል፣ ውሽጣዊ ሓድነት ብምጥንኻር፣ ፍልልያት ብሰላማዊ ዘተ ብምፍታሕን ህዝቢ ንሃገራዊ ረብሕኡ ካብ ጉጅላዊ ረብሓ ኣብሊፁ ጠጠው እንትብል ጥራሕ እዩ።

ብመልካም ፈቃዱ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment