ቀመራት መከፋፈሊ ሃፍቲ ብግቡእ ምትግባሮም ብቐረባ ምክትታል ተኻኢሉ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብቲ በጀት ዓመት ቀመራት መከፋፈሊ ሃፍቲ ብግቡእ ምትግባሮም ብቐረባ ምክትታል ተኻኢሉ ኢሎም ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ድጎማ በጀትን ሓበራዊ ኣታዊን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ከምዝበሉዎ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝተመጣጠነ ልምዓትን ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታትን ንምርግጋፅ ብዙሓት ውፅኢታዊ ስራሐቲ ወጊኑ።

ስርዓት ክፍፍል ድጎማ በጀትን ሓበራዊ ኣታዊን ብመፅናዕቲን ብዝተወደበ ትልሚን ንኽምራሕ ካ ምግባር ብተወሳኺ ናብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝመሓላለፉ ሃፍቲታት ግልፂን ፍትሓዊ ብዝኾነን መገዲ ንኽከፋፈሉ ክትትልን ሓገዝን ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ቀመራት መከፋፈሊ ሃፍቲ ብግቡእ ምትግባሮም ብቐረባ ምክትታል ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ÷ እዚ ድማ ኣብ ዝከፋፈሉ ሃፍቲታት ግልፅነት ንምድንፋዕን ስርዓት ስግግር ፊስካል በይነ መንግስታት ንምጥንኻር ከልዑል ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ፌዴራል ፍትሓዊነት ምዕሳል ከምኡ እውን ፍሉይ ዕላማ ዘለዎም ድጎማታት ብመምርሒ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንክልላት ከምዝተኸፋፈሉ ምርግጋፅ ዋና ዋና ስትራቴጂካዊ ተግባራት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ከምዝነበሩ ኣመልኪቶም።

ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ዕቤት ምቅልጣፍን ኣብ ሞንጎ ክልላት ፍትሓዊ ተረባሕነት ጋህዲ ምግባርን ናይ ነዊሕ እዋን ፃዕሪ ከምዝሓትት ማሕለኻታት ብምፍላይን ሓበረታታት ብእዋኑ ብምእካብ ዘላቒ መፍትሒታት ንምምፃእ ይሰርሕ ምባሎም ሓሬታ እቲ ፌዴሬሽን ኣመልኪቱ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment