ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንበዓል ኢሬቻ ናይ እንኳዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል ኢሬቻ ናይ እንኳዕ ኣብፅሓኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምሉእ ቃል ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፦

ኢሬቻ ሰላም እዩ! ገዳ ስልጣነ እዩ! ስልጣነ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ እዩ!

እንኳዕ ንኸቢድ እዋን ክረምቲ ብሰላም ኣሕለፈኹም ናብ ብሩሁ ብርሃን ኣብፅሓኩም። ፀልማት ክረምቲ ሓሊፉ ፀሓይ ብርሃን ክትወፅእ፣ ኦሮሞ ብሓድነት ወፂኡ ብስርዓት ባህሉ ናብ መልካ ይኸይድ፤ ኣብኡ ድማ ንኸቢድ ፀልማት ክረምቲ ኣሕሊፉ ዝመርሖ ፈጣሪኡ የመስግን።

ንዝመፅእ ግዜ ድማ ተስፋ ይሰንቕ። ኣቦታት “ማሬሆ”፣ ኣዴታት ድማ “ኣራሮ” እናበሉ ነቲ ለዋህ ኣምላኽ ምስጋና የቕርቡ። ናብ መልካ ብምውራድ ድማ ስርዓት ምስጋናኦም የጀምሩ።

ፀልማት ክረምቲ ብዙሓት ዘይምችዉ ነገራት ኣለዉዎ። ምንቅስቓስ ሰባትን እንስሳትን ብምግዳብ፣ ናብ ዝሓሰቡሉ ቦታ ከይበፅሑ ይገብር። ብርቱዕ ዝናብ ክረምቲ፣ ውሕጅ፣ ጭቃን ዝዘልል ማይ ጭቃን ብርሃን ኣዝዩ ዘናፍቕን ይገብሮ። ንዘመናት ዝፀንሐ መብዛሕትኡ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ፣ ፖለቲካዊ ባህርይን ምምሕዳርን ምስቲ ከቢድ እዋን ክረምቲ ከነመሳስሎ ንኽእል።

ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር እኳ እንተኾነት ክብሪ ስማ ክትመስል ከይከኣለት ፀኒሓ እያ። ብዙሓት ተፈጥሯውን ሰብ-ሰራሕን ሃፍትታት እናሃለዋ ብፍልጠትን ስርዓትን ስለዘይተመርሐት ጥራይ ናብ ጭቡጥ ዓቕሚ ክትቕይሮም ብዘይምኽኣላ ከም ኣብነት ድኽነት ክትፅራሕ ፀኒሓ እያ።

ንኢትዮጵያ ዝሓዝናዩ ብርሃን ራእይ ኣብ ፅኑዕ ሓድነት ዝተመስረተት፣ ሉዓላውነታ ዝተኸበረ፣ ብስፍሓት እተፍሪን ዝኾነ ዓይነት ብድሆ ክትፃወር እትኽእልን ንኣፍሪካ ቀዳማይ ተምሳሌት ዝኾነት ሃገር ምህናፅ እዩ።

ህዝቢ ኦሮሞ ቋንቋኡ፣ ባህሉን ክብርታቱን ንምምዕባል ዘቕረቦ ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ንምምላስ፣ ኣብ ልምዓት ባህሊ ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ናብ መልካ ተመሊሱ ናብ ስርዓቱ ምእታዉ፣ ኢሬቻ ሆራ ሃርሰዴ ድማ ኣብ ቢሾፍቱ ደሚቑ ብዝለዓለ ደረጃ ምኽባሩ ፅቡቕ መርኣያ እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ “ኣነ ስጋ ጥራይ ክበልዕ፤ እንስሳይ ግን ኣይትንክኡ” ዝብል ፀላኢን ባንዳን ኣብ ቅድሜና ደው ኢሉ እንከሎ ረብሓ ሃገርና ከነኽብር ኢና። መንገዲ ስሒቶም ኣንፃር ሃገሮም ደው ንዝበሉ ኣሕዋትና ዘለና መልእኽቲ ድማ ኦሮሞ “ካብ ዘምስይሉ ዝሓድሩሉ ዝሓድርሉ ገዛ ይሓይሽ” ኢሉ ከም ምስላ ዝጥቀም ሕዚውን ገፆም ናብ ሰላም እንተመሊሶም፣ ማዕፆ ሰላም ከምዝተኸፍተ ክረጋግፀሎም እደሊ።

ኦሮሞ ብቃልሱ ነፃ ወፂኡ እዩ። ካብዚ ንደሓር ብጠበንጃ ብረትን ምስ ፀላኢ ብምውጋንን ዝምለስ ሕቶ ኦሮሞ ፈፂሙ ኣይክህሉን እዩ።

ዝተኸበርካ ህዝብና፣

በዓል ኢሬቻ ክነኽብር ከለና ከም ክብሩ ሓድነት ኣፅኒዕና፣ ኢድና ንሰላምን ዕርቅን ዘርጊሕና፣ ልብና ናብ ይቕረታ መሊስና፣ ነቲ ዝረኸብናዮ ነገር ንፈጣሪ እናኣመስገንናን እናሓብሐብናን ነቲ ዝሰኣንናዮ ድማ ብትዕግስቲ እናተፀበና ከምቲ ትማሊ ኦሮሞ ብደምን ኣዕፅምት ኣቦታቱ ኢትዮጵያ ዝሃነፀ፣ ሎሚውን ስልጣነ ኢትዮጵያ ንምዕዋት፣ ብዘለና ፍልጠት፣ ዓቕምን ሃብትን ምስ ካልኦት ኣሕዋት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብምዃን ኢትዮጵያ ብቐዳምነት ክነፅንዕ ፃውዒተይ የቕርብ!

ኢሬቻ ሰላም እዩ! ገዳ ስልጣነ እዩ! ስልጣነ ኢትዮጵያ ድማ ዘይተርፍ እዩ!

ከለቻና ጫጩው ናይ ሰላም ይኹን!

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተኸቢራን ተሓፊራን ንዘለኣለም ትንበር!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

መስከረም፣ 2019 ዓ.ም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment