ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ባንዳታትን ፅንፈኛታትን እንስዕሮም ብዝተፀናኸረ ዘተ ጥራሕ ኢዩ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሕቶታት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽን መብርሂን፥ ዜጋታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰሓሓተ ያታ ዘስዐቦ ልዑል ስብራት ብምሕዳግ ናብ ሰላምን ሓድነትን ንኽመፅእ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራኢዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝነብሩ ዜጋታት፣ ምሁራን ከምኡ እውን ካልኦት ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ዘተን ልዝብን ተኻይዱ ጠቓሚ ሓሳብ ተረኺቡ ኢዩ ኢሎም፡፡
ሕዚ ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ብሄርን ሃይማኖትን ዘጋጥሙ ጎንፂታት ከምዝነከዩ ብምሕባር፥ ነገር ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሄር ምስ ብሄር ከምኡ እውን ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት ዝጋጭዉ ሓይሊታት ኣይዓረፉን ክብሉ ሓቢሮም፡፡
ንሓሳብ ብሓሳብ ኣብ ክንዲ ምስዓር ንመንግስቲ ብሓይሊ ንምውዳቕ ዝተግሁ ሓይሊታት ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብሽም ህዝቢ በቢከባቢኡ ዝዓረዱ ሓይሊታት እንትራኸቡ ጎንፂ ከምዝፈጥሩ ተዛሪቦም፡፡
እዞም መሰል ኣብ ሰላም እታ ሃገር ዝተጋረፁ ፀገማት ንምፍሻልን ሰላም ንምሕላውን ዓቕሚ ሓይሊታት ፀፅታ ብምዕባይ፣ ብምድጋፍን ብምዝማንን ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡