ብሬንትፎርድን ፉልሃምን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 33 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብሬንትፎርድን ፉልሃምን ማዕረ ተፈላሊየን።

ቀትሪ ሰዓት 8፡30 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ክልቲአን ጋንታትት ብዘይ ሸቶ 0 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ኢየን ተፈላሊየን።

ፀወታታት እቲ ሊግ ቀፂሎም እንትካየዱ ተሳትፎ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምርግጋፅ እናተናሓናሓ ዝርከባ ጋንታታት ቼልሲን ማንቼስተር ዩናይትድን ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ስታምፎርድ ብሪጅ ክራኸባ ኢየን።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰዓት 11 ሊድስ ዩናይትድ ምስ ወልቭስ ከምኡ እውን ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ቦርንማውዝ ክራኸባ ኢየን።

ኣብ ሓደጋ ምውራድ ትርከብ ቶተንሃም ሆትስፐር ምሸት ሰዓት 1፡30 ኣብ ሜዳኣ ንብራይተን ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

Comments (0)
Add Comment