ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ ኣብ ዝካየድ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ንምስታፍ ሎሚ ኣጋምሸት ናብ ዱባይ ኣትዩ።
እቲ ብፕሬዚዳንት ታዬ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ዱባይ እንትበፅሕ፤ ብላዕለዎት ሰበ መዚ መንግስቲ እታ ሃገር ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
እቲ ጉባኤ ኢንቨስትመንት፣ ካብ ጽባሕ ጳጉሜን 2 ክሳብ 4 ጳጉሜን 2018 ዓ.ም. ንሰለስተ መዓልታት፣ ኣብ ዓለም ለኸ ማእከል ንግዲ ዱባይ ክካየድ እዩ።
በብዓመቱ ዝካየድ እቲ ዓለም ለኸ ጉባኤ፤ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ብምስፋሕ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ሽርክነትን ኢኮኖሚን ምትሕብባርን ንምጥንኻር ዝሕግዝ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ዘፈር ኢንቨስትመንት ዝረኣዩ ብድሆታት ፍታሕ ብምሃብ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ቀንዲ መድረኽ ኢንቨስትመንት ኮይኑ ይገልግል ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ ሃገራት፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኣፈፀምቲ ስራሕ ዓበይቲ ትካላት ቢዝነስን ኣውፃእቲ ፖሊሲታትን፣ ፈጠርቲ ዕድል ስራሕ፣ ተወከልቲ ትካላት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ምርምርን፣ ከምኡ እውን ካልኦት ሰብ ሞያ መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ክዝትዩ እዮም።