ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሶላር ንምዕባይ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን።
ኣብ ዞባ ምብራቕ ሓረርጌ ወረዳ ቑንቢ ከባቢታት ሓሮ ጉራቲን ሓሪሮን ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ሚኒ ግሪድ ሓይሊ ፀሓይ (ሶላር) ሎሚ መዓልቲ ተመሪቖም።
እቶም ፕሮጀክትታት ተዛዚሞም ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመሩ ኮይኖም፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝረኸብዎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ሓጎሶም ገሊፆም።
ፕሮጀክት ሓሪሮ ሆስፒታላት፣ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምኡ እውን ካልኦት ትካላት ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ።
ብ640 ሚልዮን ብር ወጻኢ ዝተሃነጹ እቶም ፕሮጀክትታት፤ ብሓፈሻ 800 ኪሎ ዋት ሓይሊ ፀሓይ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ከምዘለዎም ተመልኪቱ።
ኣብዚ እዋን 477 መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንትኾኑ፤ እቲ ፕሮጀክት ድማ ብሓፈሻ 3 ሺሕን 646 መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።
እዚ ሓዱሽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ንጥፈታት ነበርቲ እቲ ከባቢ ንምዕባይን ደረጃ ናብራኦም ንምምሕያሽን ዓብዪ ግደ ከምዝፃወት ተሓቢሩ።
ብዘቢብ ተክላይ