ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 21፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሃገር መተካእታ ዘይብላ፣ መግለፂ መንነትን ናፅነትን እያ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት ዘጋጠሞም ሃገራውን ግዳማውን ብድሆታት ሓሊፎም ታሪኾምን ልዑላውነቶምን ኣኽቢሮም ፀኒሖም።
ኣብ ከይዲ ታሪኽ ልምዓታዊን ጂኦ ፖለቲካዊን ምንቅስቓሳት እታ ሃገር ንምዕንቃፍ ካብ ዝፍትኑ ግዳማውያን ሓይልታት ብቀዳምነት ግብፂ ተፀራሒት እያ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ታሪኽ ኩነታት ርክብ ኢትዮጵያን ግብፅን ብዲፕሎማሲ፣ ብሃይማኖትን ብፖለቲካ ማይን ዝተቐረፀ እኳ እንተኾነ ግብፂ እቲ ርክብ ናይ ጥርጣረ መሰረት ክህልዎ ኣፅኒዓ ሰሪሓ እያ።
ሃጋይ ኤርሊክ (ፕ/ር)፣ “Ethiopia and the Middle East” ኣብ ዝብል መፅሓፎም፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ዘሎ ታሪኻዊን ስትራቴጂካዊን ምትእስሳር ዝውስኖ ቀንዲ ምኽንያት ሩባ ኣባይ ምዃኑ ይሕብሩ።
ይኹን እምበር ግብፂ መበቆል እቲ ሩባ ኣባይ ካብ ኢትዮጵያ ምዃኑ እናፈለጠት ኮነ ኢላ ብምዝንጋዕ ኢትዮጵያ ካብ ሃፍታ ከይትጥቀም ብውዕሊ ግዳማውያን ገዛቲ ንብዙሕ ዓመታት ተጠቃሚት ከይትኸውን ምግባራ፣ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ክሻኸር ምኽንያት ኮይኑ።
ብፍላይ ኣብ 1959 ግብፅን ሱዳንን ንኢትዮጵያ ዘገለለ ክልተኣዊ ውዕል ክፍፍል ማይ ምፍርራሞም፣ ግብፂ ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ከይትጥቀም ዘለዋ ፅኑዕ ድሌት ብግፅ ዘርኢ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ክትጅምር ከላ፣ መሰረታዊ ዕላማኣ ኤሌክትሪክ ብምፍራይ ደረጃ ናብራ ህዝባ ምምሕያሽን ዞባዊ ምትእስሳር ምፍጣርን ምዃኑ ብግልፂ እኳ እንተገለፀት ግብፂ ግን ንዘበናት ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ንበይና ክትጥቀመሉ ዝፀንሐት መሰል ማይ ንከይትከስሮ ብዘለዋ ድሌት ንህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻትን ብዲፕሎማሲያዊ መንገድን ክትቃወም ፈቲና።
ይኹን እምበር ኢትዮጵያ ብዘይምንብርካኽ ንዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ፀቕጢ ግብፂ መሰላ ኣኽቢራ ግድብ ህዳሰ ዛዚማ ንኣገልግሎት ኣብቂዓቶ እያ።
ኢትዮጵያ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምምላሳ ንእቲ ዞባ ከምኡውን ንዓለም ሰላምን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስን ዓብዪ ዓቕሚ እኳ እንተኾነ ግብፂ ግን ነዚ ብዘይምድላያ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምዕንቃፍ ንሃገራት እቲ ዞባ እውን ብተንኮል ብምቕራብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምዕፃው ትፍትን ኣላ።
ይኹን እምበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፦ “ኢትዮጵያ ማንም ዓጊትዋ ኣይፈልጥን፤ ማንም ኣይዓግታን።
እዚ ዘይከውን ብዘይካ ባዶ ድሌት እዩ፤ ኢትዮጵያ መሰል ካልኦት ከይትጎድእ፣ ህዝባ ሒዛ ሃገራዊ ረብሓኣን ልዑላውነታን ንምኽባር ካብ እትኸዶ መንገዲ ክዓግታ ዝኽእል ሓይሊ ኣይክህሉን።”
ብቤተልሔም ግርማ