ህዝቢ ክልል ትግራይ መትሐጃ ፖለቲካ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኮይንና ኣይንተርፍን ይብል ኣሎ።
እቲ ህዝቢ ነዊሕ ታሪኽ፣ ጥንኩ ባህሊን ንሓድነት ኢትዮጵያ ልዑል መስዋእትነት ዝኸፈለን ኩሩዕ ህዝቢ እዩ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንልዕሊ 50 ዓመት፣ ናብ ጫካ ካብ ዝኣቱ እዋን ጀሚሩ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ነጊዱ ኢዩ።
ኣብ በረኻ እናሃለወ “መንግስቲ እንትንከውን ህይወትካ ክቕይረልካ እየ” እናበለ ንተኸተልቱ ብሕልሙ ጠስሚ የስቲ ነይሩ።
ስልጣን ኣብ ዝሓዘሎም እዋናት ንርእሱ እምበር፣ ንህዝቢ ትግራይ ዝገበሮ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን።
ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ማዕረ ዝተፈለየ ነገር ኣይረኸበን።
እቲ ህዝቢ ዝተረጋገአ ናብራ ምንባር ይምነ ነይሩ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ማእኸላዊ ስልጣን ድሕሪ ምብራሩ ድማ፤ ኣብ በረኻ እናሃለወ ዝገብሮ ዝነበረ ኩሉ ንህዝቢ ትግራይ ናናይባዕሉ ህልውና ፖለቲካ ከም መትሐጃ ምጥቃም ቀፀለ።
እቲ ጉጅለ ንዝፈፀሞመ ዘይሕጋዊ ተግባራተ፣ ንክሕደት ሃገርን ዘረፋታት ንብረትን ከለላ ክኾኖ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ኣሎ ብዝብል ናይ ሓሶት ያታ ኣብ ዕግታ ኣፅኒሑዎ እዩ።
በዚ ድማ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ዝወፅኡ ሰገናት እናሕደገን ንጎንፂ እቃለዐን፣ ምስ ካሊእ ኣሕዋትን ኣሓትን ኢትዮጵያውያን ክንፀል ፃዕሪ ገይሩ ኢዩ።
ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ርክባቱን ከም ዝዳኸሙ ብምግባር ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ጓና ክስምዖ ገይርዎ እዩ።
እቲ ጉጅለ ናብዚ መንገዲ ካብ ዝኣተወሉ ግዜ ጀሚሩ፣ ትግራይ ልዕሊ 50 ዓመታት ብጭካነ እቲ ዘሕጋዊ ጉጅለ ደምያ እያ።
ንመናእሰይ ናብ ዘየድሊ ኲናት ክኣትዉ፣ ኣዴታት ብሓዘን ክነብዓ፣ ህፃናት ድማ ካብ ትምህርቶም ክርሕቁ ገይርዎም እዩ።
ብሰንኪ ባንዳነትን ተለኣኣኻይነት ወፃኢ ፀላእቲን እቲ ጉጅለ ህዝቢ ኣዴታት ትግራይ ብዘይፍቓደን ደቀን ብዘይግባእ መስዋእቲ ስኢነን ኢየን።
እዚ ንህዝቢ ከም ተዓጋቲ ገይርካ ምሓዝ እኩይ ተግባር፤ ሕዚ ግን ናብ መወዳእታ ምዕራፉ በፂሑ ኣሎ፡፡
እቲ ጉጅለ ብሓይሊ ንህዝቢ ትግራይ ዓፊኑ ክሕዞ እኳ እንተቐፀለ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ኩነታት እናተለወጡ ይርከቡ።
ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከስቢ ከምዘይብሉ ብደንቢ ተረዲኡ እዩ።
እቲ ጉጅለ ካብ ሞት ንምድሓን ንመናእሰይ ብግዲ እናገፈፈ ናብ መዕጎሪ ይወስድ፤ እምቢ ንዝበሉ ድማ ይርሽኖም። ብኻልእ መዳይ “ፅምዶ” እናተብሃለ ሽርክና እኳ ኣትርፈኒ ይበል እምበር ግዘ ብምርፋዱ ማዕበል ክወስዶ ቀሪቡ ኣሎ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ረብሕኡን ድሕንነቱን ክግሎ ዝኽእል ምስ ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሰላም፣ ብፍትሒን ብማዕርነትን እንትነብር ጥራሕ ምዃኑ ብዝግባእ ይፈልጥ ኢዩ።
እቲ ህዝቢ ነቲ ጉጅለ ካብ ርእሱ ንምውራድ እምቢ ንግፋ እናበለ ይርከብ፡፡
እኩይ ዕላማኡ ስለዝተረደአ ናብ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ይኸይድ ኣሎ።
ናይቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ጉዕዞ 50 ዓመታት ዘይምልዋጥን ናይ ዓብዪ ህፃን ምዃን፣ ውሽጣዊ ክፍፍል፣ ግዕዝይናን ፃምእ ስልጣንን ምቅልዑ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝነበሮ እምነት ሙሉእ ብሙሉእ ክስእን ገይሩዎ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ንምሕላው፣ ናይ ባዕሉ ዕጫ ብርእሱ ንምውሳንን ብሽሙ ንዝነግዱ ኣካላት “የኣክል!” ንምባልን እናተበገሰ ይርከብ።
ኣብ ትግራይ ኣዴታት ደቅና ንኲናት ኣይንህብን እንትብላ፣ መናእሰይ እምቢ ዝብሉ በረርቲ ወረቓቕቲ በቢከተምኡ ይብትኑ ኣለዉ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ ኢዩ።
ህዝቢ ትግራይ ውልቀ ንብረት ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ወይ እውን መፃወቲ ቁማር ፖለቲካ ኣይኮነን።
መንግስቲ መደመር እውን ልባዊ ድሌት እቲ ህዝቢ እናሰምዐ ይርከብ።
እቲ ህዝቢ ዝበፅሖ ሰፊሕ ስቓይን መከራን ተፃዊሩ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘንፀላለዎ ኣርዑት ዓፈናን መትሐጃነትን ናፃ ዝወፅአሉ ግዘ ርሑቕ ኣይኮነን።