ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 20፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ንተረባሕነት ነበርቲ ከተማና ብቅንዕናን ብተኣማንነትን እናሰራሕና ንርከብ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣርባዕተ ዘበናዊ ደው መበሊ መካይን፣ ተርሚናላትን ማእከላት ዕዳጋን ኣብ (ጎተራ፣ ቦሌ፣ የካን ቀበናን) ሎሚ ዕለት ኣመሪቐን ግልጋሎት ኣጀሚረን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ፤ መሰረተ ልምዓታት ምጭንናቕ ትራፊክ ንምቅላል፣ ስርዓተ መጓዓዝያ ንምምሕያሽ፣ ህዝቢ ካብ ፀሓይን ዝናብን ንምክልኻል፣ ከምኡውን ብዙሕ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ዝሕግዙ፣ ምችዋት፣ ፅሩያትን ክብሪ ሰብ ዝሕልዉን ዘበናዊ ኣገልግሎት ዝህቡን እዮም ኢለን።
እቶም መሰረተ ልምዓታት ኣብ ሓደ ግዘ ብዙሓት ተሽከርከርቲ ናይ ምቕባል ዓቕሚ ከም ዘለዎም እውን ኣረዲኤን።