ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ንዘበናት ዝቐፀሉ ውሽጣዊ ጎንፂታትን ንሃገር ዋጋ ዘኽፈሉ ዝተሓላለኹ ሃገራዊ ፈተናታትን ብስልጡን ዝርርብ ናይ ምፍታሕ ጥበብ፣ ሓዱሽ መግለፂ ዕቤት ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ን40 መዓልታት ዝቐፀለን ትማሊ ብዓወት ዝተዛዘመን ታሪኻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ፤ መስርሕ ዘላቒ ሰላምን ምህናፅ ሃገረ መንግስቲን ኢትዮጵያ ኣብ ጥኑዕ መሰረት ካብ ምንባሩ ብተወሳኺ ንኣፍሪካውያን ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ዓብዪ ተግባር ኮይኑ ሓሊፉ እዩ።
እዚ “ንኽእል ኢና” ብዝብል ቆራፅነት ዝተመርሐ መድረኽ፣ ብፃዕሪን ዓቕሚን ደቂ ኢትዮጵያውያን ዝተኻየደ ኮይኑ፤ ብባህሊ ዝርርብ ፀገማት ናይ ምፍታሕ ከይዲ ንመላእ ኣህጉር ብተግባር ዘረጋገፀ ሓዱሽ ምዕራፍ እዩ።
ኣብ መዛዘሚ እቲ መርሃ ግብሪ መደረ ዘስምዑ ነበር ፕሬዚዳንት ናይጄርያን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ንቀርኒ ኣፍሪካን ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፤ ኢትዮጵያውያን ብኻልእ ዓብዪ ዓወት ንኣህጉር ኣፍሪካ ኣምባሳደርን ኣብነትን ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እዚ ልዕሊ 4 ሲሕ ተሳተፍቲ ዝሓቖፈ መካታቲ መድረኽ ዘተ ሰላምን ርግኣትን ሃገር ንምሕያል ፅኑዕ መሰረት ከም ዘንበረ ዝገለፁ ኦባሳንጆ፤ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ሰላማ ብምሕላው እንተቐፂላቶ ኣብ ኣፍሪካ ዝዓበየ ኢኮኖሚ ካብ ምውናን ሓሊፋ ካብ ዝማዕላ ሃገራት ዓለም ክትስራዕ ከም እትኽእል ዘለዎም እምነት ገሊፆም።
እዚ ድማ ውሽጣዊ ፀገማት ብዓወት ባዕልኻ ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ ንመላእ ኣፍሪካውያን ዓብዪ ትምህርቲ ክኸውን እዩ ኢሎም።
ብኻሊእ መዳይ፣ ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ መደረኦም ኢትዮጵያ ኩሉ ግዜ ንኣፍሪካውያን ተምሳሌት ፅንዓትን ጅግንነትን ኮይና ከም ዝፀንሐት ኣዘኻኺሮም።
ዓድዋ ንያታ ዕብለላ ኣውሮፓውያን ዘፈሸለን ብስራት ናፅነት መላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ዝኣወጀን ከም ዝነበረ ዝሓበሩ ኬንያታ፤ ኣዲስ ኣበባ ድማ መሰረት ሓድነት ኣፍሪካውያን ዝተነብረላ ከተማ ምዃና ሓቢሮም።
ሕዚ እውን እቲ ዝተዛዘመ ምዕራፍ ዘተ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ዳግም ዘበርከተቶ ዓብዪ ህያብ ሰላም ምዃኑ ብምፅራሕ፤ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብሓድነት ጠጠው ክብሉ፣ ንሕድሕዶም ክተዓረቑን ዘላቒ ውርሲ ሰላም ክዕቅቡን ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
እዚ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያውያን ውሽጣዊ ፀገማቶም ብዓቕሞምን ብስልጡን ዘተን ክፈትሑ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ክሰጋገሩ ከም ዝኽእሉ ዘርኣየ፣ ንኣፍሪካውያን ኣርኣያ ክኸውን ዝኽእል ታሪኻዊ ምዕራፍ ዓወት እዩ።
ኢትዮጵያ ነቲ ቀደም ዝነበረ ታሪኽ ጀግንነትን ፅንዓትን ምስ እዋናዊ ፃዕሪ ልምዓትን ሰላምን ብምትእስሳር ንባዕላ ኣሻጊራ ንመላእ ኣፍሪካውያን ተስፋ ናይ ብርሃን ምዃን ታሪኻዊ ልእኽቶኣ ብፅንዓት እናፈፀመት ትርከብ።
ኢትዮጵያ ዘርአየቶ እዚ ታሪኻዊ ከይዲ ዘተ ልክዕ ከም ዓወት ዓድዋ ንኣፍሪካ ዝተርፍ ውርሲ ሰላም ኮይኑ ክቕፅል እዩ።
ብዮናስ ጌትነት