ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኣየር ናይ ሓንቲ ሃገር ክሊ ኣየር ብንቕሓትን ብጥንቃቐን ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ኣለዎ።
መጥቃዕቲ እንተተፈፂሙ እውን ኣድላዪ ምላሽ ብምሃብ ነቲ መጥቃዕቲ ይምክት፤ ብቕልጡፍን ብዝተሓተ ክሳራን ድማ ይዛዝም።
እዚ ንምግባር ድማ ዘበናዊ ዝኾኑን ዓለም ዝበፅሐቶ ወታደራዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐን ዘበናዊን ሓይሊ ኣየር ምህናፅ የድሊ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ሉኣላውነትን ኩርዓት ህዝቢን ዋሕስ ኮይኑ ዝቖመ፣ ንዘበናት ዝተሳገረ ታሪኽን ጅግንነትን ዝውክል ሓወልቲ እዩ።
“ሰማይ ናትና እዩ” ዝብል መሪሕ ቃል ዝተውሃቦ ድማ ብደምን አዕፅምቲን ጀጋኑ ኣብረርቲ፣ ብዕዙዝ ልዕልነት ኣየር ከምኡ እውን ዓሚቝ ፍቕሪ ሃገርን ዝተፅሓፈ ሓቂ ብምዃኑ እዩ።
መንግስቲ መደመር ንነባራዊ ኩነታት ዘገናዘበን ብኩለመዳያዊ ዓቕሙ ዝማዕበለን ዘበናዊ ሓይሊ ኣየር ንምህናፅ ዝወሰዶም ስጉምትታት ዘተባብዑ እዮም።
ብመሰረት እዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ስግግር ቴክኖሎጂ ብምጥንኻር ዞባዊ ሰላም ካብ ምሕላው ሓሊፉ ብብርኪ ኣህጉር ተወዳዳሪ ንኽኸውን ብቆራፅነት ይስራሕ ኣሎ።
ብፍላይ ንዘበናዊ ሜላታት ውግእ ብግቡእ ዝርዳእን ዝሰልጠነን ሰብኣዊ ሓይሊ ከምኡ እውን ኣብ ውግእ ውፅኢታዊ ዝኾና ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካልኦት ተዋጋእቲ ጀትታትን ንምዕጣቕ ትኹረት ተዋሂቡ ኣሎ።
ኣብዚ መዳይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተመረቐ ንሲቪልን ወታደራዊን ኣገልግሎት ዝውዕሉ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝሰርሕ ስካይ ዊን ኤሮናውቲክስ ኢንዱስትሪ ምፅራሕ ይከኣል።
ብዙሕ ዕማማት ክውግና ዝኽእላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብውሽጣዊ ዓቕሚን ብሰብ ሞያ ኢትዮጵያን ዲዛይን ብምግባር ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ምፍጣር ንኢትዮጵያ ልዑል ዝላ እዩ።
እቲ ቴክኖሎጂ ንምንቅስቓስ ፀላኢ ብቕልጡፍ ንምክትታል፣ መፅናዕቲ ንምክያድን ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብን ልዑል ኣስተዋፅኦ የበርክት።
ከምዚ ዝበለ ዓቕሚ ብዝበለፀ ምጥንኻር ድማ ሓይሊ ኣየር እዋናዊ ቴክኖሎጂ ንምዕጣቕ ዝጀመሮ ፃዕሪ ዝያዳ ንምቅልፃፍ ዓብዪ ግደ ኣለዎ።
ብፍላይ ናይዚ እዋን ቴክኖሎጂ ዝርዳእ ሃፍቲ ሰብ፣ ዘበናዊ ዕጥቂታትን ናይ ውግእ መሰረተ ልምዓት ንምምላእ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡
ሓይሊ ኣየር መጥቃዕቲ ዝፍፀም እንተኾይኑ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሓፂር እዋን ንምምካትን ብውሑድ ክሳራ ንምዝዛም ካብ ምኽኣሉ ሓሊፉ ጎንፂ ናይ ምትራፍ ዓቕሙ ልዑል እዩ፡፡
ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ከም ዝገለፁዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ክከላኸልን ክሕሉን ኣብ ዘኽእሎ ብቕዓት በፂሑ ኣሎ።
እቲ ኣየር ሓይሊ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብምምዕባልን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይን ኣብ 2022 ዓ.ም ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሓይሊ ኣየር ንምዃን ብትግሃት ይሰርሕ ኣሎ።
እዚ ዕላማ ንምዕዋት መንግስቲ ለውጢ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ካብ ፖለቲካዊ ይኹን ብሄራዊ ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ኢትዮጵያዊ መልክዕ ንኽህልዎ ገይሩ እዩ።
ንሰማይ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን ዘይተፈቕደ ምንቅስቓስ ንምሕላውን ልኣላዊ ድሕንነታ ብዘተኣማምን መገዲ ንምርግጋፅን ዘበናዊ ራዳርን ዲጂታል ስርዓታት ርክብን ተዘርጊሖም 24 ሰዓት ብንቕሓት እናተቖፃፀሩ ይርከቡ።