ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሉኣላዊነት ሓንቲ ሃገር ብዘተኣማምን መንገዲ ንምሕላው ካብ ዘድልዩ ነገራት ሓደ እዋናዊ ሓይሊ ኣየር ምህናፅ ቀንዲ ተረቋሒ እዩ።
ሓይሊ ኣየር ሓንቲ ሃገር ንክልል ኣየራ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ብንቕሓትን ብጥንቃቐን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ። መጥቃዕቲ እንተተፈፂሙ ድማ ኣድላዪ ምላሽ ብምሃብ ነቲ መጥቃዕቲ ክገትኦን ብዝወሓደ ጉድኣት ብቕልጡፍ ክውድኦን ይኽእል።
ነዚ ንምግባር ድማ እዋናዊ ዝኾነን እቲ ዓለም ዝበፅሖ ወታደራዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐን ኣየር ሓይሊ ምህናፅ ኣድላዪ እዩ።
መንግስቲ ለውጢ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብምግንዛብን ብዝተማልአ ዓቕሙ ዝተጠናኸረ ዘመናዊ ኣየር ሓይሊ ንምህናፅ ዝገበሮ ስራሕ ኣበረታቲ እዩ።
በዚ መሰረት ድማ ምስግጋር ቴክኖሎጂ ሓይሊ ኣየር ብምጥንኻር፣ ዞባዊ ሰላም ካብ ምሕላው ሓሊፉ ኣብ ኣፍሪቃ ተወዳዳሪ ንክኸውን ብትግሃት ይስራሕ ኣሎ።
ብፍላይ ነቲ ዘመናዊ ሜላታት ውግእ ዝርዳእ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ፣ ከምኡ’ውን ዘመናዊ ኣልቦ ሰብ ዝወግኡ ነፈርቲ (ድሮናት)ን ካልኦት ተዋጋእቲ ጀትታትን ንምዕጣቕ ትኩረት ተገይሩሉ ኣሎ።
ንኣብነት፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ቅድሚ ሓደ ዓመት ዘመረቕዎ ንሲቪልን ወታደራውን ኣገልግሎት ዝውዕሉ ድሮናት ዝሰርሕ ስካይ ዊን ኤሮኖቲክስ ኢንዱስትሪ ክጥቀስ ይከኣል።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዚ እዋን እዚ፣ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ድሮናት ንምስራሕ ምሕሳብ እውን ዘይሕሰብ ነገር ከም ዝነበረ ገሊፆም ነይሮም።
ብሓቂ ድማ ብዙሕ ዓይነት ተግባር ክፍፅሙ ዝኽእሉ ኣልቦ ሰብ ዝወግኡ ነፈርቲ (ድሮናት) ብዓቕሚ ሃገርን ብውሽጣዊ ክኢላታትን ዲዛይን ገይርካ ምፍራይ ምኽኣል፣ ንኢትዮጵያ ዓቢ ታሪኻዊ ምዕባለ እዩ።
እዚ ቴክኖሎጂ ንምክትታል ምንቅስቓስ ፀላኢ ብቕፅበት፣ መርመራ ንምክያድን ቀልጢፍካ ምላሽ ንምሃብን ዓቢ ኣስተዋፅኦ ይገብር።
ከምዚ ዓይነት ዓቕሚ ብዝያዳ ምጥንኻር ሓይሊ ኣየር ነቲ ዝጀመሮ እዋናዊ ቴክኖሎጂ ንምዕጣቕ ዘካይዶ ፃዕሪ ንምስላጥ ዓቢ ተራ ኣለዎ።
ብፍላይ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝርዳእ ሰብ ሃብቲ፣ ዘመናዊ መሳርሒታትን መሰረተ ልምዓት ውግእን ንምምላእ ዓቢ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ እዩ።
ሓይሊ ኣየር መጥቃዕቲ እንተተፈፂሙ ነቲ መጥቃዕቲ ብሓፂር ግዜ ንምግታእን ብውሑድ ጉድኣት ንምዝዛምን ጥራይ ዘይኮነ፣ ግጭት ከይፍጠር ናይ ምክልኻል ዓቕሙ እውን ልዑል እዩ።
ኩነታት ፀጥታ እቲ ዞባ ብቐፃሊ እናተለዋወጠ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንግጭት ዝደልዩ ሓይልታት ኣብ ዘለዉሉ ኩነታት ግጭት ንምክልኻል ዝኽእል ዓቕሚ ምፍጣር ግዜ ዝወሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን።
ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ከም ዝገለፅዎ፣ ሐዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንክልል ኣየር ሃገሩ ካብ ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ክሕሉን ክከላኸልን ዘኽእል ቁመና ይርከብ።
ሓይሊ ኣየር ኣብ ምፍልፋል ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ኣብ ምፍራይ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብን ብምትኳር ኣብ 2022 ዓ.ም ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ኣየር ሓይሊ ንምዃን ብትግሃት ይሰርሕ ኣሎ።
ነዚ ንምርግጋፅ ድማ መንግስቲ ለውጢ፣ ኣባላት ኣየር ሓይሊ ካብ ፖለቲካዊን ብሄራዊ ሓሳባትን ክወፁ ብምግባር ሓደ ኢትዮጵያዊ መልክዕ ንክህልዎም ስራሕ ኣካይዱ እዩ።
ብተወሳኺ ሰራዊት ብመዓልታዊ መርመራ መሳርሒታት ኣካላዊ ልምምድን ፍልጠትን ብምጥንኻር፣ ምሉእ ስነ-ልቦና ሒዙ ሃገሩ ንክሕሉ ይዳሎ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣየር ሓይሊ ነቲ ምስግጋር ቴክኖሎጂ ብዘላቒ መንገዲ ንምቕፃል፣ ምስ ውሽጣዊ ዩኒቨርሲታትን ዓለም ለኻዊ መሻርኽትን ብምትሕብባር ኣብ ኣቪዬሽን፣ ኤሮስፔስ ምህንድስናን ዘመናዊ መራኸቢታትን ይሰርሕ ኣሎ።
ንሰማይ ኢትዮጵያ ካብ ዘይተፈቕደ ምንቅስቓስ ንምሕላውን ሉዓላዊ ድሕነታ ብዘተኣማምን መንገዲ ንምርግጋጽን፣ ዘመናዊ ራዳርን ዲጂታል መራኸቢ ስርዓታትን ተዘርጊሖም 24 ሰዓት ብንቕሓት ይቆጻጸሩ ኣለዉ።
ከም ዝፍለጥ ውግእ ብዝኾነ ኩነታት ከጋጥምን ንሓንቲ ሃገር ከዳኽምን ይኽእል እዩ። ነዚ ንምክልኻልን ድሕሪ ምጅማሩ ድማ ብሓፂር ግዜ ንምውዳእን፣ ዘተኣማምን ድልውነት ምግባር የድሊ።
ስለዚ ምንቅስቓስ ፀላኢ ኣቐዲምካ ብምፍላጥ ንምክልኻልን ንምዕጋትን እቲ ግዜን ነባራዊ ኩነታትን ዝሰማማዕ ኣየር ሓይሊ ምህናፅ ዝጀመረ ስራሕ ብቐጻሊ ክጠናኸር ይግባእ።
እቲ ዘመናዊ ሓይሊ ኣየር ምህናፅ ፃዕሪ፣ ሉዓላዊነት ሃገር ንምሕላው ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ድሕነትን ዓቢ ተራ ክፃወት ይኽእል።
ብመላኩ ገድፍ