ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዝደንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኢትዮጵያን ህዝባን ካልኦት ሃገራት ብዝሪእዩና መዕቀኒን ብራኸን ንርእስና ክንርኢ እላቦ ክብሉ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ፀዊዖም።
ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክካየድ ዝፅንሐ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ፤ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ትማሊ ተኻይዱ።
ፕረዚደንት ታዬ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ፤ ዓወት እቲ ጉባኤ ዘተ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ ኢትዮጵያ ሓዱሽ መገዲ ዝኸፍት ምዃኑ ገሊፆም።
ከይዲ እቲ ምኽክር ናይ ኩላትና ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝገልፁን ዘፅንዑን ከምኡ እውን ሓባራዊ ድሌትና፣ ራኢናን ዕጫናን ብሓደ ንምምራሕ ዘኽእሉ ሓሳባት ዝተልዓሉሉ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝረአ ዝነበረ ቅርሕንቲ ዝተመልአ ፖለቲካዊ ባህሊ ብምስባር ፍልልያት ንሓባራዊ ረብሓ ዝውዕሉሉን ንዘበናት ዝፀንሕ ሓዱሽ ሓሳብ ዝውለደሉን ከይዲ ንኽምዕብል መደላድል ፈጢሩ እዩ ኢሎም።
ድሕሪ ሕዚ ጉዕዞ ኢትዮጵያ መስቀለኛ ዘይኮነስ ቀጥተኛ፣ ግልፂን ብርቱዕን ዝኾነ መገዲ ዕቤትን ሓባራዊ ምዕባለን ጥራሕ ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ።
ዕላማ እቲ ዘተ ግዝያዊ መድሕን ፖለቲካ ንምርካብ ዘይኮነስ ንዕቤት ሃገር ዝጠቅም ትጉህ ስጉምቲን ዘላቒ መስመር ጉዕዞን ምሕንፃፅ ምዃኑ ኣብሪሆም።
“ኢትዮጵያውያን ፍሉያት ዝገብረና ህልውናና ዝፈታተኑ ብድሆታት ኣብ ዘጋጥሙና እዋን ሃገርና እናሓለናን እናመኸርናን ንሃገርና ክነፅንዓ ምኽኣልና እዩ” ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ናይዚ መሰረት ድማ ኢትዮጵያ ናይ ኩላትና ሓባራዊት ስልጣነ፣ ፍልጠትን ሓቅን ኣጣሚራ ዝሓዘት ሃገር ብምዃና እዩ ኢሎም።
ፕሬዚደንት ታዬ ኣብ መልእኽቶም፤ “ኢትዮጵያን ህዝባን ካልኦት ሃገራት ብዝሪኡና መዕቀኒን ብራኸን ንርእስና ክንርኢ እላቦ” ክብሉ ንመላእ ኢትዮጵያውያን ፀዊዖም።
ብመላኩ ገድፍ