ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ዓውዲታት ምክልኻልን ፀፅታን ስትራተጂካዊ ምትሕብባር ንምምስራት ተሰማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ዓውዲታት ምክልኻልን ፀፅታን ሓፈሻዊ ስትራተጂካዊ ምትሕብባር ንምምስራት ኣብ ስምምዕነት በፂሐን።

ብዋና ዳይሬክተር ዝምድናታትን ወፃኢ ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሚኒስቴር ምክልኻል ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወታደራዊ ልኡኽ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ስራሕ ኣካይዱ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዑደቱ ምስ ምክትል ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ብራያን ጄ. ኤሊስን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣብ ክልተኣዊ ሓባራዊ ጉዳያት ብምድሃብ ተዛቲዩ።

ኣብ ዘተኦም ድማ ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያዊን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓዱሽን ዝለዓለን ምዕራፍ ንምስግጋር ኣብ ምርድዳእ በፂሖም።

ምትሕብባር ወታደራዊ ትካላት ክልቲአን ሃገራት ንምስፋሕን ስትራቴጂያዊ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ኣብ ስምምዕነት ከም ዝበፅሑ ተሓቢሩ።

እዚ ስትራቴጂያዊ ምትሕብባር ብቐንዱ ሃገራዊ ረብሓን ሓባራዊ ተረባሕነትን ንምርግጋፅ፣ ከምኡ እውን ሓባራዊ ምትእምማን ብምጥንኻር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ሰፊሕ ከባቢን ዘላቒ ሰላም፣ ድሕነትን ርግኣትን ንምዕሳን ዝዓለመ እዩ።

ክልቲኦም ወገናት ዝበፁሑሎም መዓቐፋት ምትሕብባር ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ንምእታውን ናብ ዝሐሸ ስትራቴጂያዊ ሽርክነት ንምዕባይን ዘለዎም ቆራጥነት ኣረጋጊፆም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ምክልኻል ኣሜሪካ ሰፊሕ ዘተ ካብ ምክያድ ብተወሳኺ፤ ዑደት ከም ዝገበረ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment