ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 30፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቤልጂየም ከተማ ብራስልስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 2026 ዳይመንድ ሊግ ብ ደቂ ኣንስትዮ 5 ሽሕ ሜትሮ ፍፃሜ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ኣመዝጊበን።
ብደቂ ኣንስትዮ 5 ሽሕ ሜትሮ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ነቲ ውድድር ብቀዳማይ ደረጃ ብምዝዛም ተዓዋቲት ኮይና።
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዝተዓወትሉ እቲ መድረኽ ውድድር ኣትሌት ልቅና ኣምባው ካልኣይ ደረጃ ከምኡ እውን ኣትሌት ሰናይት ጌታቸው ድማ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።