ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ፀጋታት ቱሪዝምን ስፖርትን ንዓለም ኣብ ምልላይ ኣብ ዘፈራት ቱሪዝምን ስፖርትን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ስትራቴጂካዊ ፃውዒት ኣብ መድረኽ ብሪክስ ኣቕሪባ።
ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ጃይፑር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ቱሪዝምን ጉባኤ ሚኒስተራት ስፖርትን ብምስታፍ፣ ኣባል ሃገራት ብተጭቡጥ ተግባራት ዝተመርኮሰ ምትሕብባር ክገብራ ሓሳብ ኣቕሪባ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፈ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ሃገርና “መበቆል ወዲ ሰብ” ብምዃና ዘለዉዋ ዘደንቑ ባህላዊን ተፈጥሮኣዊን ሓድጊታት ብምፍላጥ፤ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዘለዋ ተወዳዳራይነት ንምዕባይ ሰብ ሰራሕ ብክሒ፣ ዲጂታል ምህዞን ምዕባለ ክእለትን ፍሉይ ትኹረት ገይራ እናሰርሐት ምዃና ገሊፁ።
ኢትዮጵያ ማእኸል ጉዕዞ ብሪክስን ልህቀት ቱሪዝምን ንኽጣየሽ ዝቐረቡ ሓሳባት መሪሕነት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘፈር ዘለዋ ግደን ኣርእዮም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ምስ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ምርኻብ ዘለዎ እጃም ኣዲስ ኣበባ ድማ ማእኸል ዓለም ለኻዊ ኣኼባታት ንምዃን ዘለዋ ዓቕሚን ንተሳተፍቲ ቀሪቡ።
ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ጉያ ዘለዋ ዝና ናብ ስትራቴጂካዊ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ንምቕያር ኣብ ዓውዲ ስፖርት ሳይንስን ልምዓትን ልዑል ሓባራዊ ስራሕ ልምዓት ኣትሌታትን ስፖርት ሳይንስን ክህሉ ፀዊዓ።
ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ኣብ ስፖርት ዘለዎም ተሳትፎ ንኸዓቢ ከምኡ እውን ባህላዊ ስፖርት ክስፋሕፋሑ ፃውዒት ብምቕራብ፤ ስፖርት ንዕቤት ኢኮኖሚን ኢንቨስትመንትን ዘለዎ ረብሓ ብምግንዛብ፣ ተግባራዊ “ማዕቐፍ ምትሕብባር ስፖርት ብሪክስ” ክህሉ ሓሳብ ኣቕሪባ።
ኢትዮጵያ እዞም ሓሳባት ምትሕብባር ናብ ጭቡጥ ተግባር ብምቕያር፣ ንዜጋታት ሓደሽቲ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝያዳ ንምጥንኻርን ምሉእ ድልውነታ ኣረጋጊፃ።
ከም ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ፤ ኢትዮጵያ ብኣባልነታ ኣብ ብሪክስ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ኣድማሳ ንምስፋሕ ብስፍሓት እናሰርሐት ትርከብ።