ኢትዮጵያ ድምፂ ኣፍሪካ ዝኾነትሎም ዝተፈላለዩ መድረኻት ብሪክስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ብሪክስ ኣፍሪካውያን ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ውክልና ክህልዎም እናተኻተዐት ትርከብ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 ጉባኤ ብሪክስ ኣባል ኮይና ካብ ዝተዓደመትሉ እዋን ጀሚራ ኣብ 2024 ኣብ ሩስያ ከተማ ካዛን ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ቀዳማይ ተሳትፎኣ ኣካይዳ።

ብምቕፃል ድማ ኣብ መድረኽ መናእሰይ ብሪክስ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳያት ፀረ ግዕዝይናን ቁጠባዊ ምትሕብባርን ኣብ ዝተዳለዉ ኣኼባታት ሚኒስትራትን ሰብ ሞያን እቲ ማዕቐፍ ብንቕሓት እናተሳተፈት ትርከብ።

እቲ ዓለም ለኸ ናይ ስልጣን፣ ውክልናን ኣወሃህባ ውሳነን ውዳበ ብሓዱ ጂኦፖለቲካዊ ወድዓዊ ሓቂ እናተፈተነ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ኢትዮጵያ ድምፂ ኣፍሪካ ንምጥንኻር እትገብሮ ፃዕሪ ኣብ መድረኽ ብሪክስ እውን ቀፂላቶ ኣላ።

ብፍላይ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሕቡራት መንግስታት ጉዳያት ፀጥታን ሰላምን ኣብ ምውሳን ልዑል ስልጣን ዘለዎ ትካ ዘለዎ ይኹን እምበር፤ ክሳብ ሕዚ ንኣፍሪካ ዝውክል ቀዋሚ ኣባል ዘይብላ ምዃና ናይ ታሪኻዊ ውክልና ክፍተት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ነዚ ክፍተት ንምዕፃውን መግለላይ ስርዓት ዓለም ንምስትኽኻል ከም ብሪክስ ኣብ ዝበሉ መድረኻት ምስ ሓባራዊ መርገፂ ኣፍሪካ ብምስላፍ ትሰርሕ ኣላ።

ንኣብነት ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲ ጄኔሮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ዓለም ፍትሓዊነት ፋይናንስ ክዓስልን ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ፍትሓዊ ውክልና ክህልዋን ሓቲታ እያ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እፎይታ ዕዳን ምላሽ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዝውዕል ሓገዝ ፋይናንስ ክግበር ከምኡ እውን ኣፍሪካውያን ሓድነቶም ብምጥንኻር ነታ ኣህጉር ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ከጋጥሙዋ ዝኽእሉ ብድሆታት ክትፃወር ከም ዝግባእ መርገፂ ሒዛ ኣላ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ሓባራዊ መርገፂ ኣፍሪካ ብምጥንኻር ውክልና ዓለም ለኸ ትካላት ንኽመሓየሽ ኣብ ምሕታትን ድምፂ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ውሳነታት ፀፅታ ክጠናኸርን ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

እዚ ድማ መራሒት ፓን-ኣፍሪካኒዝምን መቐመጢ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪካን ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ መሪሕነታ ኣብ ኣፍሪካ ዝያዳ ክትጠናኸር ዝገብር እዩ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment