ኣማኸርቲና ዝተዋህቦም እጃም ብትኽክል ይፍፅሙ ኣለዉ – መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣማኸርትና ዝተውሃቦም እጃም ብትኽክል ይፍፅሙ ኣለዉ ኢሎም።

መስፍን ኣርኣያ ብዛዕባ ከይዲ እቲ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ ኣብ ሓሳባት ስልታዊ ጉጅለታት ብጥንቃቐ ንምፅራይን ንምምዕባልን ፃዕሪ ከም ዝተገብረ ገሊፆም።

ኣብ ሓደ ሓደ ጉጅለታት ሓሳባት ብቕልጡፍ ከም ዝተመያየጡ ብምፅራሕ፤ ኣብ ካልኦት ጉጅለታት ድማ ሓሳባት ብዝያዳ ብጥንቃቐ ንምፅራይ ፃዕሪ ከም ዝግበር ኣመልኪቶም።

ናይ 500 ጉጅለታት ዘተ ፅባሕ ዝጅመረሉ ኩነታት ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ከይዲ ዘተ ስልታዊ ጉጅለ ናብ ሓባራዊ ርድኢትን ዝበፅሑ ዝመስሉ ኩነታት ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ኣማኸርቲ ዝተውሃቦም እጃም ብትኽክል ይፍፅሙ ኣለዉ ብምባል፤ ሓሓሊፉ ኣማኸርቲ ወይ ኣነ ባዕለይ ንተዛተይቲ እንህቦ ሓገዝ ቅኑዕ ኣንፈት ንምምልካት ጥራሕ እምበር ናትና ቅዋም ክቕበሉ ንምግዳድ ፈፂሙ ኣይፍቀደልናን ክብሉ ኣረጋጊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment