ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራን ብወሽመጥ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ናይ ንግዲ መራኽብ መጥቃዕቲ ፈፂማ ብዝብል ኣሜሪካ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዙሓት ወታደራዊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ኣፍሊጣ።
ጦር ኣሜሪካ ወሽመጥ ሆርሙዝ ንዓለም ለኸ ንግዲ ወሳኒ መመሓላለፊ ብምዃኑ ኢራን ክትቆፃፀሮ ከምዘይፈቅድ ገሊፁ።
ኢራን ንዝተፈነወ መጥቃዕቲ ብዝሃበቶ ዓፀፋ ኣብ ዮርዳኖስ፣ ባህሬንን ኩዌትን ዝርከቡ ጦር ሰፈራት ኣሜሪካ ከምኡ እውን ኣብ ኦማን ዝርከቡ መቆፃፀሪ ራዳራት መጥቃዕቲ ምፍፃማ ሓቢራ።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኢራን ተተሓሒዙ ዝነበረ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣብቂዑ ኣሎ ምባሎም ስዒቡ ዳግም ኣብ ዝደገሰ ኲናት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንሳልሳይ ግዘ መጥቃዕቲ ፈፂማ ኣላ፡፡
ላዕለዋይ ተደራዳሪ ኢራን ሙሓመድ ባግር ምስቲ ድርድር ተተሓሒዙ ኣብ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣሜሪካ ቃላ እንተዘይሓሊያ ዋጋ ክትከፍል ኢያ ኢሎም።
ብእመቤት ሲሳይ