ኣቤል ብርሃኑ ናይዚ ዓመት ዝበለፀ ኣፍሪካዊ ፅዕንቶ ፈጣሪ ጉዕዞ ሽልማት ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ብምግባር ምንቅስቓሳቱ ኣብ ናይ ባዕሉ ዩቲዩብ ዘጋውሕ ኣቤል ብርሃኑ (የወይኗ ልጅ) ኣፍሪካን ጎልደን ኣዋርድስ ናይዚ ዓመት ዝበለፀ ፅዕንቶ ፈጣሪ ኣፍሪካዊ ጉዕዞ ሽልማት ተዓዊቱ፡፡

ኣቤል ብርሃኑ ኣብዚ ዓመት ዝበለፀ ኣፍሪካዊ ፅዕንቶ ፈጣሪ ዘፈር ጉዕዞ ዝቐረቡ ሰነስተ ናይ መወዳእታ ኣፍሪካዊ ዩቲዩበራት ብምብላፅ ኢዩ ክዕወት ክኢሉ፡፡

ትማሊ ኣብ ኬኒያ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ እቲ ስነ ስርዓት ኣብ ዩቲዩብ ልዕሊ 2 ሚሊየን ከምኡ እውን ኣብ ፌስቡክ ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ተኸተልቲ ዘለዉዎ ኣቤል ብርሃኑ ሽልማት ተበርኪቱሉ፡፡

ኣቤል ነቲ ሽልማት ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ÷ ”ንኢትዮጵያ ወኪልና ተሸሊምና” ክብል ሓጎሱ ኣካፊሉ፡፡

ብዝኣገረገት ስልኪ ካሜራ ውጥን ሓሳቡ እንትጅምር ዓለም ናይ ምርኣይን ታሪኻት ናይ ምክፋልን ሕልሚ ከምዝነበሮ ብምዝኽኻር÷ ሕልሙ ንኽዕወት ኣብ ጎኑ ንዝነበሩ ተሓባበርቱ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment