ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማና ካብ ዝረአ ለውጢ ኩሉ ዝበልፅ ኣብ ማእኸል መማዕበሊ ክእለትን ተሃድሶን ናይ ፅባሕ ደቂ ኣንስትዮ እናረአናዮ ንርከብ ለውጢ ካብ ኩሉ ዝበለፀ እዩ ኢለን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን፥ ሎሚ መዓልቲ ምስ መስራቲን ሓላፊ ቦርድን ፋውንዴሽን ኢንቨስትመንት ፈንድ ቆልዑት (CIFF) ክሪስ ሆንን ጉጅለኦምን ኣብ ማእኸል መማዕበሊ ክእለትን ተሃድሶን ናይ ፅባሕ ደቂ ኣንስትዮ ተዓዚብና ኢለን።
“ካብ እንሰርሖም ስራቲ ኮሎም ዝዓበየ ስራሕ ኣብ ሰብ እንሰርሖ ስራሕ፣ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እንሰርሖ እዩ” ዝብል መልእኽቲ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ስራሕና ማእኸል ብምግባር ንፍፅም ኣለና ኢለን።
እተን ከንቲባ ንናይ ፅባሕ ጅማሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ተስፋን ዕድለንን ንኽልምልም፣ ክብራንን ድሕንነተንን ተሓሊዩ ዝሐሸ ህይወት ንኽመርሓ ካብ ልቢ ዝፈልፈለ ስምዒት ዝተሓንፀፀ፣ ተሓንፂፁ እውን ናብ ተግባር ዝተቐየረ ልዑል ራኢ ዝተሓንገጠ ስራእ ኢዩ ክብላ ኣብሪሀን።
በዚ ድማ ማእኸል መማዕበሊ ክእለትን ተሃድሶን ናይ ፅባሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 2016 ዓ.ም ጀሚርናዮ ብ5 ዙር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሞያ 3 ሺሕን 259 ሰልጠንቲ ብህንፀት ክእለትን ስብእናን ብምስልጣን ናብ ስራሕ ኣዋፊርና ኢለን።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩለን ተመረቕቲ ክብሪ ዘለዎ ናብራ፣ ብሩህ ተስፋ ሰኒቐን ሓዱሽ ህይወት ምንባር ጀሚረን እየን ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች፤ ”ማእኸል መማዕበሊ ክእለትን ተሃድሶን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ” ዝተሓንገጦ ራኢ፣ ብዓመት ክሳብ 10 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዘብቅዕ ከምዝኾነ ሓቢረን።