ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ካብ ዝተሃቀኑ ስትራቴጂክ ትልሚታት ልዕሊ 96 ሚኢታዊ ተዓዊቶም ኢለን ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ገምጋም ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2018ን ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽቲ ዓመትን እቲ ምምሕዳር ከተማ ምዝዛሙ ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን መልእኽቲ ኣመሓላለፈን፡፡
ኣብ መልእኽተን ድማ ብሓሳብ ዝረኣናዮ ሓሲብና ብትግሃት ፈፂምናዮ ኢና፤ በዚ ድማ ልዕሊ 96 ሚኢታዊ ውፅኢት ክነመዝግብ ክኢልና ኢለን፡፡
ለንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝቐነየ ገምጋም ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2018ን ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽቲ ዓመት ብዓወት ምዝዛሙ ኣፍሊጠን።
ኣብቲ ገምጋም ዝተሃቀኑ ስትራቴጂክ ሸቶታት ብዝተማለአ ኩነታት ንምትግባር ብዝተለወጠ ባህሊ ስራሕ ንምስራሕን ዝተፈላለዩ ድኽመታትን በምእራም ኣብ ቀፃሊ ዝተመሓየሸ ኣፈፃፅማ ንምምዝጋብ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣመልኪተን፡፡