ኣብ ዓወት ኢትዮጵያ መን ተሳዒሩ?

ኢትዮጵያ ርግፅ እዩ ተዓዊታ እያ። እቲ ዝለዓል ሕቶ ግን፣ “ንመን እያ ስዒራ?” ዝብል እዩ። እስኪ ንሕተት፤ ብሓቂ እንመን ተሰዓሩ?

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዘይምዝርራብ ፀገም ንዘበናት ኣዋጊኡና እዩ። ምስጢር ናይቶም ዝሓለፉ ደማዊ ጎንፂታት እንትግለፅ ድማ ዘይምዝርራብ፣ ዘይምስምማዕን ዘይምርድዳእን ዝብሉ ነቓዓት ኣለዉ። እዞም ነቓዓት ልዕሊ ጠረጴዛ ናብ በረኻ ክንወርድ ብምግባር ብረት ክነልዕል ገይሮምና።

ሓው ንሓዉ “ውረድ ንውረድ” እናተባሃሃለ ደም ተፋሲሱ። ዓለም ንኢትዮጵያ ጥንታዊት ሃገር ኮይና፣ ብዘይምርድዳእ እትጋጮ ሃገር ገይሩ ፈሊጥዋ እዩ። እዚ ድማ ድኽነት፣ ጥሜትን ፀገምን ምሳና ተዛሚዶም ክነብሩ ገይሩ እዩ።

ኢትዮጵያ ብምዝታያ ነዚ ፀሊም መጋረጃ ዘይምዝርራብ ካብ ርእሳ ኣልዒላቶ እያ። ሓው ንሓዉ ሓሳቡ ክሰምዕ፣ ሕማሙ ክርዳእ፣ ከምኡውን ኣብ ሓንቲ ሃገር ብሓባር ንሓባራዊ ምርድዳእ ዘቐፅሉ ጅማሮታት መሰረት ተነቢሩ እዩ። ዝተሳዓሩ ድማ ጎንፂ፣ ምፍሳስ ደምን ብዘይ ሓሳብ ዝካየድ ፖለቲካን እዮም።

ብሓባር ዝሰዓናዮ ግን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ምኽክር እንትንጅምር “ኣይኸውንን፣ ኣይግበርን” ዝበሉ ሓይሊታት ካብ ደገን ካብ ውሽጥን ነይሮም።

ብሓደ ወገን “እንተዘየብኪዕናዮ ንድራር ኣይኣኽልን” ዝበሉ ነቓፃት ፖለቲከኛታት፣ ካብ ጎንፂ እምበር ካብ ዘተ ኣይንጠቀምን ዝበሉ ዝኾረዩ ኣካላት እቲ ዘተ ንምፍሻል ተዳልዮም ነይሮም።

ብድሕሪኡ ግን እዞም ኮረይቲ ደቂ ሃገር ኣብቶም ኣጀንዳታት ተኻዖም ተዛተይቲ እውን ኮይኖም ተረኺቦም፤ እቲ ናትና ዝብሉዎ ሓሳብ ክስማዕ ድማ ኣጋዊሖምዎ። ኣብዚ ከይዲ እዚ ኢትዮጵያ ተዓዊታ።

“ኢትዮጵያውያን ክዛተዩ ኣይኽእሉን” ኢሎም ንምሕጫጭን ጎንፂ እንተተፈጢሩ ድማ ካብ ናይ ኣሕዋት ጎንፂ ከስቢ ንምርካብ ዝተዳለዉ ሰባት ነይሮም። ንሳቶም ብጎንፂ ኢትዮጵያ ክኸብሩ፣ ኢዶም ኣንዊሖም ክጥቀሙን ይሓስቡ ነይሮም። እዚ ሕሳቦም ግን ጌጋ ከም ዝነበረ ተረዲኦምዎ።

ኢትዮጵያውያን ብሓቂ ክዘራረቡን ክዛተዩን ከምዝኽእሉ ኣርእዮም። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ጎንፂ ፈጢሮም ብደም ክስኽሩ ንዝነበሩ ናይ ደገ ኢድ ኣእተውቲ ድማ ሕፍረት ሂቦምዎም።

ዓወት ኢትዮጵያ ግን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ኢትዮጵያውያን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምህናፅ፣ “ኣይከኣልን” ዝብል እምነት ስዒሮም እዮም።

ኣብ ሓንቲ ፀሓይ 800 ሚልዮን ፈልሲታት ብሓባር ብምትካል፣ ዘይምትሕብባር ድማ ብምስዓር ንመላእ ዓለም መርአያ ኮይኖም።

“መረፃ ከካይዱ ኣይኽእሉን” ኢሎም ንዝነበሩን ዘፈራርሑዎምን ብምስዓር እውን ዕዉት መረፃ ከካይዱ ክኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ብተደጋጋሚ ተፈቲኖም ብተደጋጋሚ ድማ ተዓዊቶም።

ናይ ብሓቂ ኢትዮጵያ ተዓዊታ እያ!

ብኣፈወርቅ እያዩ

Comments (0)
Add Comment