ኣዲስ ኣበባ፤ ዘመናዊት መዲና ኢትዮጵያን ኣፍሪካን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መዲና ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ደረጃ ብቕልጡፍ ዕቤት ከተማነት እናዓበየት ትርከብ ዘበናዊት ከተማ እናኾነት ትርከብ።

መቐመጢት ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታትን ብምዃና፤ ዓለም ለኸ ማእኸል ዲፕሎማሲነታ እውን ቀፂሉ ኣሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተኻየዱ ብዝርከቡ ሰፋሕቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት መሰረተ ልምዓትን ልምዓት ኮሪደርን ምኽንያት ምስሊ እታ ከተማ ብፅሬትን ፅባቐን ብልዑል ብርኪ እናተቐየረ ይርከብ።

ኣዲስ ኣበባ ታሪኻዊ ሓድጋን ባህላን ሓሊያ፤ ዘበናዊ ስነ ህንፃታትን ሓምለዎት ቦታታትን ኣወሃሂዳ ብምህናፅ፣ ንነበርታ ምቹውቲ፣ ንዓለም ለኸ በፃሕቲ ድማ ማራኺት ዝኾነት ውቅብቲ መዲና እናኾነት ትርከብ።

ኣብታ ከተማ እናተኻየዱ ካብ ዝርከቡ ዘበናዊ ስራሕቲ ልምዓት ምስፍፋሕን ህንፀትን ተርሚናላት ትራንስፖርት ህዝቢ ዝለዓለ ቦታ ይሕዝ።

ሕፅረት ትራንስፖርት ህዝቢ ምጭንናቕ ትራፊክን ብዘላቕነት ንምፍታሕ ከም ተርሚናል ኣውቶቡስ መርካቶ፣ ተርሚናል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፣ ከምኡ እውን ዘበነዎት ተርሚናላት ጎተራ፣ ቦሌ፣ የካ፣ ቀበናን ፒያሳን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ማእኸላት መጓዓዝያ ተሃኒፆም ንኣገልግሎት በቒዖም እዮም።

ቅድሚ ለውጢ 3 ሺሕ ጥራሕ ዝነበረ ናይ ሓደ ግዘ ዓቕሚ መቖሚ ተሽከርከርቲን ከምኡ እውን ምንም ዘይነበረ ኣገልግሎት ተርሚናል ናብ 170 ሺሕ ክዓቢ ተጌሩ እዩ።

እዞም ተርሚናላት በቢመዓልቱ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ተጓዓዝቲ ንምትእንጋድ ዘኽእሉ እንትኾኑ፤ ኣብ ትሕቲኦም ድማ ብዙሓት ትሕቲ መሬት መቖሚ መኻይን፣ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ሓይሊ መምልኢ ጣብያታት፣ ዘበናዊ ማእኸላት ንግዲን ካፌታትን ዝሓቖፉ እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣካል ልምዓት ኮሪደር ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ትራንስፖርት ንእግረኛታትን ንብሽክሌታትን ዝተፈለዩ መስመራት ብምዝርጋሕ ዝተዋሃሃደ ስርዓት ትራንስፖርት ፈጢሮም እዮም።

ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝድገፍ ማእኸል ቁፅፅር ትራፊክን ምስፍሕፋሕ ናይ ኤሌክትሪክ ኣውቶቡሳትን እታ ከተማ ካብ ብኽለት ከባቢ ናፃ ዝኾነን ቅልጡፍን ምንቅስቓስ ዘኽእል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ክትህብ ኣኽኢልዋ እዩ።

እዞም ኩሎም ፃዕርታት ድማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ርእሳ ዝኸኣለት፣ ዘበናዊት፣ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ንነበርታ ምቹውቲ ናይ ከተማ ማእኸል ክትከውን ይገብሩዋ ኣለዉ።

ብኣብረሃም ኣበራ

Comments (0)
Add Comment