ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ቱሪዝም ጥዕና ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

ከንቲባ ኣዳነች ኒው ሊፍ ሜዲካል ኮምፕሌክስ ዝተባህለ ትካል ጥዕና ሎሚ ዕለት መሪቐን ስራሕ ኣጀሚረን።

እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከም ዝበለኦ፤ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ቱሪዝም ጥዕና ክንገብራ ኢና እንትንብል ብመንግስቲ ጥራሕ ዝዕወት ዘይኮነስ ኣብ ዘፈር ውልቀ ዝህነፁ ትካላት ጥዕና እውን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ።

ነዚ ድማ ሎሚ ዝተመረቐ ኒው ሊፍ ሜዲካል ሆስፒታል ሓደ ኣብነት ምዃኑ ብምሕባር፤ እቲ ትካል ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ዝተማልአሉ ዓብዪ ማእኸል ጥዕና ምዃኑ ኣብሪሀን።

ኢንቨስትመንት ዘፈር ጥዕና ልዑል ወፃኢ ዝሓትት ብምዃኑ፤ ኣብቲ ዓውዲ ንዝነጥፉ ትካላት ጥዕናን ሆስፒታላትን ኣድላዪ ሓገዝ ከም ዝግበረሎም ኣረጋጊፀን።

Comments (0)
Add Comment