ኣገልግሎት ወለንታ ብመንግስቲ መደመር እንትቃነ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣምር “መደመር” መምርሒ ምትሕብባር፣ ምትእምማን፣ ሓድነትን ሓበራዊ ሓላፍነትን ብምጥንኻር ህንፀት ሃገር ንምቅልጣፍ ዝበረታታዕ ኢዩ።

ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት ወለንታ ፍልስፍና መደመር ብተግባር ካብ ዘርእዩ ዋና መገዲታት ሓደ ኢዩ።

ብመሰረት ኣምር መደመር ብምትሕብባር መንግስቲ፣ መናእሰይ፣ ደቂኣንስትዮ፣ ሲቪል ማሕበራትን መንግስታዊ ትካላትን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ወለንታ ተወጊኖም እዮም።

ንኣብነት ድማ ኣብ መርሃ ግብሪታት ክረምታዊ ወለንታ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሞንጎ ዝተወገኑ ተግባራት ስራሕቲ ሕድሳት ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ጥዕናን ናይ ህዝቢ ኣገልግሎትን ይፅርሑ።

ካብዚ ብተወሳኺ በዚ ተግባር ወለንታ ብቢሊየናት ዝቕፀሩ ፈልሲታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ ካብዚ ብተወሳኺ ፅሬት ከባቢ፣ ምፅራይ ሩባታት፣ ረሳሕ ምውጋድን ህዝቢ ዝግልገለሎም ከባቢታት ናይ መውቃብ ስራሕቲን ብወለንታ ተወጊኖም።

ንኣረጋውያን፣ ጉዱኣት ኣካልን ንዝተመዛበሉ ወገናትን ሓገዝ ምግቢ፣ ኣልባሳትን መንበሪን ከምኡ እውን ልገሳ ደም ብሰፊሑ እናተወገነ ፀኒሑ ኢዩ።

ንተምሃሮን ኣቢያተ ትምህርቲን ሓገዝ ናውቲ፣ ሕድሳት ቤት ትምህርቲን ምውዳብ ኣቢያተ መፃሕፃ ዝበሉ ተግባራት ብመናእሰይ ወለንታውያን ተወጊኖም።

መደመር ሓይሊ ኣፈላላይ ናብ ሓበራዊ ረብሓ ዝቕይር ሓሳብ እንትኸውን፥ ኣገልግሎት ወለንታ እውን ነዚ ሓሳብ ብተግባር ዘንፀባርቕ ኢዩ።

ዜጋታት ፍልጠቶም፣ ግዜኦምን ጉልበቶምን ብምውሃድ ናይ ማሕበረሰብ ፀገማት ብሓባር እናፈትሑ መንፈስ ሓድነት ይጠናኸር፣ ባህሊ ምትእምማን እውን ይጉልብት።

ኣብ ውሽጢ መርሃ ግብሪ ወለንታ መንግስቲ መደመር መናእሰይ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኢዮም።

ኣብ ሓለዋ ከባቢ፣ ሓገዝ ትምህርቲ፣ ግንዛበ ጥዕና፣ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ማሕበረሰብ ዝገበሩዎ ተሳትፎ ንህንፀት ሃገር ኣዚዩ ክሕግዝ ክኢሉ ኢዩ።

ኣብ ዘበነ መንግስቲ መደመር ኣገልግሎት ወለንታ ካብ ተሳትፎ ውልቀሰብ ሓሊፉ ምልክዕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ሒዙ እናተወገነ ይርከብ።

ብኣመለወርቅ ደምሰው

Comments (0)
Add Comment