እቲ ጉባኤ ዘተ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽርን እዩ – ተዘይቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እናተኻየደ ዝርከብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽርን ዓብዪ መድረኽ እዩ ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝወከሉ 4 ሽሕ ተሳተፍቲ ዘተ ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዓሚቝን ኣሳታፍን ምኽክር እናካየዱ ይርከቡ።

ተስፋዬ ደጀነ ዝተብሃሉ ተዛታዪ፤ ኣብታ ሃገር ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ሃገራዊ መስርሕ ዘተ ብፅቡቕ ኩነታት እናተኻየደ ከም ዝርከብ ገሊፆም።

እቲ ዘተ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፀገማት ብሓባር መፍትሒ ንምንዳይ ዘኽአለ ሓዱሽ ታሪኻዊ ዕድል ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ምኽክር ብዙሓት ትምህርትታት ከም ዝተወሰዱን ንዝነበሩ ፀገማት ብዙሓት መፍትሒ ሓሳባት ከም ዝቐረቡን ገሊፆም።

እዚ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝግበር ጉዕዞ ናብ ልዑል ምዕራፍ ዘሰጋገረ እዩ ኢሎም።

ካልእ ተዛታዪ ኢብሳ ኢብራሒም ብወገኖም፤ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ቀዳማይን እወንታዊን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽር ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ምኽክር ሓረስቶት፣ ኣርባሕቲ እንስሳት፣ ጉዱኣት ኣካላት፣ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብሰፊሑ ዝተሳተፉ ብምዃኑ፤ እቲ ከይዲ ዘተ ምሉእን መካተቲን ምዃኑ ካሊእ ተዛታዪ ቦጋለ ሰይዳ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment