ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናብፀሖ ዝርከብ ዕንወት ናይ ታሪኽ ተሓታቲ እዩ ኢሎም ነበር ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ባይራጋብር ኣባይ፡፡
ኣይተ ባይራጋብር ኣባይ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፤ እቲ ጉጅለ ቅድሚ 50 ዓመት ዝነበረ መጥፍኢ ሜላን ያታን እንተይተረፈ ክሳብ ሕዚ ዝዘለቐ፣ ማዕርነት ዘይቕበልን ክሳብ መወዳእታ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝቃለስ ጉጅለ እዩ ኢሎም።
ፓርቲ ክምስረት ዘለዎ ብዝፀረየ ሓሳብ እምበር ብመስዋእትነት ሰባት ከምዘይኮነ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ናይ ባዕሉ ናይ ሕሶት ያታ ብምስራፅ ንህዝቢ እናታለለ ምፅንሑ ኣብሪሆም።
ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ፣ እኖታትን መናእሰይን ናይቲ ጉጅለ ሓቀኛ መንነት ብምርደኦም ነቲ ዘይሕጋዊ እናተቃለሱዎ ይከቡ ኢሎም፡፡
እቲ ጉጅለ ዝሰርሖ ገበን ዝፈልጥ ብምዃኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተስፋ ብምቑራፅ ኣብ ኣጥፊእኻ ናይ ምጥፋእ ተግባር ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡
ን27 ዓመታት ዝመርሓ ሃገር መሊሱ ንምውጋእ ብታሪኸ ዘይፈሓቕ ክሕደት ሃገር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ጉጅለ ንኢትዮጵያ ኣዚዩ ከምዝፀልእ፤ ነገር ግን ሃፍቲ ኢትዮጵያ ከምዝደሉ ሓቢሮም።
ሓቀኛ ሰላም ዝደሊ መንእሰይ ትግራይ ነዚ መጥፍኢ ሓይሊ ብምቅዋም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡
ሕድሕድ ተወላዲ ትግራይ ይኹን መላእ ኢትዮጵያዊ ነዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሓባር ክቃለሶ ከምዝግባእ ኣስሚሮምሉ፡፡
ብቅድስት ዘውዱ