ዝቕፅ በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ጅማ ንምኽባር ምድላዋት ብዝተዋደደ መልክዑ ይካየድ ኣሎ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 21 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ዝኽበረላ ከተማ ጅማ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብእኹል ደረጃን ብዝተዋደደ መልክዕን ይካየዱ ኣለዉ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር።

ብኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መበል 21 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ጅማ ዝኽበረሎም ምድላው ቦታታትን ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሎሚ መዓልቲ ተዓዚቡ።

ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ክሳብ ሕዚ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብእኹል ደረጃን ብዝተዋደደ መልክዑን ተወጊኖም።

ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወ/ሮ ሰዓዳ ኣብዱራማን ብግደአን፤ መበል 21 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ኣብ ከተማ ጅማ፣ ከምኡ እውን ብብርኪ ክልል ብዓወት ንምኽባር ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ገሊፀን።

እቲ በዓል ብዙሕነት፣ ሕብረት፣ ሓበራዊ ክብርታትን ምትእስሳር ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዘጎልብት መድረኽ ንኽኸውን፤ ኩሎም ስራሕቲ ምድላዋት ብዝተዋደደን ብፅሬትን ንምፍፃም ይስራሕ ከምዘሎ እውን ኣመልኪተን።

መበል 21 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ፤ ብኣሰናዳእነት ክልል ኦሮሚያ፣ ብኣተሓባባራይነት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ከተማ ጅማ ከምዝኽበር ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment