ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓላፊት ክፍሊ ትምህርቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሶፊያ ኣሺፓላ ኢትዮጵያ ዝሓሰበቶ ዩኒቨርሲቲ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ/ሰብ ስራሕ ምስትውዓል/ ምጥያሽ እታ ሃገር ማእኸል ቴክኖሎጂን ፈጠራን ኣፍሪካ ዝገብረር ታሪኻዊ ስጉምቲ ኢዩ ኢለን።
ኢትዮጵያ ዘበኑ ዝጠልቦ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ዝወነነት ንምዃንን ዜጋታት ምስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምትእስሳር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐት ትርከብ፡፡
ካብ ሞንጎ እዞም ስራሕቲ ህንፀት ዩኒቨርሲቲ አርቴፊሻል ኢንተለጀንስ እንትኸውን፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንኣገልግሎት ንምብቃዕ ትኹረት ተዋሂቡ ኢዩ።
ሓላፊት ክፍሊ ትምህርቲ ሕብረት ኣፍሪካ ሶፊያ ኣሺፓላ ከምዝገለፀኦ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ወሳኒ መደላድል ኣብ ምፍጣር ዝበረታታዕ ውፅኢት እናምፀአ ይርከብ።
ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያን መርሃ ግብሪ ሓሙሽተ ሚሊየን ኢትዮ-ኮደርስን ዜጋታት ፍልጠት ዲጂታል፣ ኣርተፊሻክ ኢንተለጀንስን ክእለት ዳታ ሳይንስን ዓቕሚ እናዕበዩ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ልምዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ተመሳሳሊ ኢንቨስትመንታት ንኽስፋሕፍሑ በሪ ዝኸፍት ታሪኻዊኻጋጣሚ ከመረዝኾነ ገሊፀን፡፡
ግዜኢ