ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ደቡብ ሱዳን ኣብ ሩባ ናይል 1 ሽሕን 800 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፍሪ ዝኽእል ግድብ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ንምህናፅ ምድላዋ ዛዚማ።
እቲ ግድብ ኣብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ምብራቕ ኢኳቶሪያ ምስ ዶብ ኡጋንዳ ኣብ ጥቓ ከተማ ኒሙሌ ኣብ ዘሎ ወሓዚ ፉላ ክትህነፅ እንትትኾን፤ እዚ ድማ “ግድብ ፕሮጀክት ፉላ ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ ኣሎ።
ሚኒስትር ኢነርጂን ግድብን ደቡብ ሱዳን ኣጎክ ማኩር÷ ደቡብ ሱዳን ከም ሃገር ናይል ተፋሰስ መጠን ኣብቲ ሩባ ግድብ ናይ ምህናፅ ሙሉእ ልኡላውነት መሰል ዘለዋ ምኳኑ ኣረጋጊፆም።
ደቡብ ሱዳን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታታ ናይ ምልማዕ መሰል ከም ዘለዋ ብምሕባር÷ ኣብ ግድብ ሃይድሮ ኤሌክትሪክ ህንፀት ግብፂ ዘሰምዐቶ ተቓውሞ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ገሊፆም።
ንኣብነት ግድብ ፕሮጀክት ፉላ ግብፂ ኣብ ዝተሓወሰትሉ ተፋሰስ ሃገራት ናይል ሚኒስትራት ካውንስል ኣፍልጦ ከምዝረኸበ ተዛሪቦም።
እቲ ግድብ ኣብ ተፋሰስ ሃገራት ናይል ሚኒስትራት ካውንስል ኣፍልጦ ካብ ዝረኸቡ 34 ፕሮጀክታትን ግድባትን ሓደ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝኾነ ይኹን ፅዕንቶ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ክትሃንፅ እያ ኢሎም።
ብዛዕባ ህንፀት እቲ ግድብ ድሉውነት ንፕረዚዳንት እታ ሃገር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ፀብፃብ ከምዝሃቡን ኣብ ዝመፁ እዋናት ህንፀት እቲ ግድብ ከም ዝጅመር ኣረዲኦም።
ህንፀት እቲ ግድብ 2 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ወፃኢ ዝሓትት ኮይኑ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንግስቲ እታ ሃገር ዓለም ለኻዊ ሰብ ሃፍቲ ብፋይናንሳዊ ደገፍ ዝገብሩ ትካላትን ናይ ምስታፍ ስራሕ የሳልጥ ከም ዘሎ ሓቢሮም።
እቲ ግድብ ምስተዛዘመ ድሌት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ደቡብ ሱዳን ካብ ምሽፋን ሓሊፉ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተሳስራ ተኣሚኑሉ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ሩባ ናይል ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ፍትሓዊ ኣጠቃቀም ማይ ናይ ምትእስሳርር ማዕቀፍ ስምምነት ድሕሪ ምፅዳቁ ዝህነፁ ሓዲሽቲ ግድባት ከም ስግኣት ክትሪኦ ፀኒሒ እያ።
በዚ ምኽንያት እውን መደብ ህንፀት ግድብ ፉላ ደቡብ ሱዳን ትቃወም ምህላዋ ስፑትኒክን መራኸቢ ሓፋሽ ደቡብ ሱዳንን ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ አየለ