ዲጂታል ስግግር ዓንዲ ሉኣላውነትና እዩ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል ስግግር ዓንዲ ሉኣላውነትና እዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ።

ጳጉሜን 5 “መዓልቲ ፅባሕ” ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ይኽበር ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን፤ በጀት ዓመት 2018 ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገበትሉ ዓመት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ንካርታ ውድድር ዓለም እንደገና እናቐረፀ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ንኢትዮጵያ ድማ ዲጂታል ስስግግር ዓንዲ ሉኣላውነታ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝለዓለ ቅልጣፈ፣ ጥንኩር ኣፈፃፅማን ዝተጠናኸረ ምትሕብባር ትካላትን ዝሓትቱ እዮም ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኢትዮጵያውያን ብሓሳብ ኣብ ዘይሰማዕምዑሎም ጉዳያት ተቐሚጦም ብምዝታይ ሓዱሽ ባህሊ ምኽክር እናማዕበሉ ከምዝርከቡ እውን እቶም ኣፈ ጉባኤ ገሊፆም።

በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ዲጂታል ስግግር ኢትዮጵያ ንምዕዋት ብዙሓት ስራሕቲ እናተተግበሩ ከምዝርከቡ ኣመልኪቶም።

እዚ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝተዛዘመ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ልዑል ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ብምሕባር፤ ዝተጀመረ ጉዕዞ ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment