ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ “ወፃኢ ንግዲ ኣፍሪካ ብፅሬት ምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ ፎረም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሓዊሱ፣ ሚኒስትራት ንግዲ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካን ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲን እናተሳተፉ ይርከቡ።

እቲ ፎረም ብሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ምስ ትሬድ ማርክ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ኮይኑ፤ ምርኢታት፣ ፓነል ዘተታት፣ ከምኡ እውን ምስ ንግዲን ቢዝነስን ዝተኣሳሰሩ ጎናዊ ስምምዕነታትን ልዝባትን ክካየዱ እዮም።

Comments (0)
Add Comment