ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ንምኽፋት ጉጅለ ኣመራርሓን ክኢላታት ቴክኒክን ክልል ትግራይ ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ፌዴራል ስልጠናን ልውውጥ ተሞክሮን ይገብሩ ኣለዉ።
እቲ ስልጠና ኣብ ከተማ መቐለ ንምኽፋት ተሓሲቡ ዘሎ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዕዉት ንክኸውን ዝሕግዝ ምዃኑ ተገሊፁ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ፌዴራል ዝትግበሩ ከይዲታት ስራሕን ኣሰራርሓታትን፣ ንዘፈር ኣገልግሎት እቲ ክልል ክሕግዙ ዝኽእሉሉ ዕድላት እውን ተላዒሎም።
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ፤ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት መንግስቲ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ ቦታ ንህዝቢ ዘቕርብ ስርዓት እዩ።
እዚ ድማ ተገልገልቲ ካብ ሓደ ትካል ናብ ካልእ እንተይተንከራተቱ፤ ብነዊሕ ታራ ከይተኣጓሉ ዘየድልዩ ሰነዳት ወረቐት ከየብዝሑን ኣገልግሎታት ብቐሊሉን ብቕልጡፍን ንኽረኽቡ የኽእሎም።
ኣብ መቐለ ዝኽፈት ማእኸል እውን ኣገልግሎታት መንግስቲ ብዝበለፀ ብቕልጡፍ፣ ተበፃሒን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ንኽኸውን ከምኡ እውን ግዘን ጉልበትን ተገልገልቲ ንምቑጣብ ዝሕግዝ ስጉምቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ