ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ውፅኢታዊ ንምግባር ብትኹረት ትሰርሕ ኣላ ኢለል ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ወ/ሮ ያስሚን ወሃብረቢ።
ፎረም ልምዓት ንግዲ ኣፍሪካ “ወፃኢ ንግዲ ኣፍሪካ ብፅሬት ምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፀኦ፤ ኢትዮጵያ ዝተግበረቶም ቁልፊ ምምሕያሻት ኢኮኖሚን ንግዲን ኣብ ሕርሻ፣ መዓድንን ማፋክቸሪንግን ዘሎ ዓቕሚ ንምውፃእ ይሕግዙ ኣለዉ።
ካዚ ብተወሳኺ ዕዳጋ ናብ ዝመርሖ ስርዓት ሸርፊ ወፃኢ ዘተገብረ ስግግርን ንለኣኽቲ ዝወሃቡ መተባብዒታትን ተሳትፎ ዘፈር ውልቀ፣ ንግዲን ወፃኢ ኢንቨስትመንትን ኣብ ምዕባይ ከምዝርከቡ እውን ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ምዝገባ ንግዲን ኣሰራርሓ ፍቓድ ምሃብን ዲጂታላዊ ምግባር ሓዊሱ ግልፂ፣ ዘተኣማምንን ብቕልጡፍ ዝሰርሕን ናይ ንግዲ ከባቢ ንምፍጣር ምምሕያሻት ይካየዱ ከምዘለዉ ሓቢረን።
ተወዳዳራይነት ንግዲ ወፃኢ ካብ ውሽጢ ከምዝጅምር ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ደረጃታት ምውፃእ፣ ምርመራ፣ ወረቐት ምስክር ምሃብን ኣፍልጦ ምሃብን ዝፍፅሙ ትካላት ዝሓቖፈ ህንፀት መንደር ፅሬት ኢትዮጵያ ከምዝተሃነፀ እውን ኣልዒለን።
ኢትዮጵያ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ንምርግጋፅ ትገብሮ ከየዲ ኣጠናኺራ ከምዝቐፀለት ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ብሕግን ደንቢን ንምጥንኻር፣ ዘተኣማምን ተበፃሕነት ዓለም ለኸ ዕዳጋታት ንምርግጋፅን ኣብ ምሕንፃፅ ሕጊታት ንግዲ ዓለም ንምስታፍን ከምዝሕግዝ ገሊፀን።
ኣፍሪካ ሰፊሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ መንእሰይን ህርኩት ህዝቢን ከምኡ እውን እናዓበየ ዝመፅአ ዕዳጋ እኳ እንተሃለዋ፤ ኣብ ዓለም ለኸ ንግዲ ዘለዋ ተሳትፎ ግና ሕዚ እውን ኣብ ጥረ ኣቑሑትን መሰረታዊ ፍርያትን ዝተወሰነ ምዃኑ ገሊፀን።
እዚ ንምልዋጥ ናብ ወሰኽ ዋጋን ልምዓት ኢንዱስትሪን ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ደረጃታት ፅሬት ዘማልኡ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ናብ ምፍራይ ምስግጋር ከምዘድሊ ኣገንዚበን።
ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ውፅኢታዊ ንምግባር ዶባት ዝሳግሩ መስመራት መንገዲ፣ ባቡር፣ ምትእስሳር ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብሓደ መስኮት ዝግልገሉ መደበራት ዶብን ኣብ ምምዕባል ትኹረት ገይራ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብሪሀን።
እቲ ፎረም ካብ ዘተ ሓሊፉ ንጭቡጥ ሽርክነትን ሓባራዊ ስጉምቲን መበገሲ ክኸውን ፃውዒት ኣቕሪበን።