ፅንዓት መግለፂ ትማልን ሎምን ኢትዮጵያውያን እዩ — ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅንዓት መግለፂ ትማሊን ሎሚን ኢትዮጵያውያን እዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ።

ሙሉእ ትሕዝቶ መግለፂ እቲ ኣገልግሎት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

እንኳዕ ንጳጉሜን 3 መዓልቲ ፅንዓት ኣብፀሐኩም፣ ኣብፅሐና!

ፅንዓት መግለፂ ትማሊን ሎሚን ኢትዮጵያውያን እዩ። ኢትዮጵያ ብሓባራዊ ኣዕፅምቲን ደምን ኢትዮጵያውያን ተሓልያ ዝፀንሐት ፍልፍል ኩርዓትን ክብሪን እያ። ስለዚ እዩ ድማ ካብ ትማሊ ክሳብ ሎሚ ካብ ዝኾነ ኣንፈትን ብዝኾነ ሓይልን ዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ብጅግንነት ብምምካት፣ ናፃን ሉኣላዊትን ሃገር ንወለዶ ምርካብ ዝተኽኣለ።

ጳጉሜን 3 መዓልቲ ፅንዓት ብዝብል ስያመ እነኽብሮ ድማ፣ ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ ንዘበናት ዘፅንዑ ጀጋኑ ኣፍልጦ ንምሃብ፣ ንጀጋኑ ሎሚ ንምትብባዕን ንፅባሕ ጀጋኑ ንምፍጣርን እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ግንባራት ምድሪ፣ ኣየር፣ ባሕሪን ሳይበርን ሉኣላውነታ ዘረጋግፁ ፅኑዓት ጀጋኑ ኣፍርያ እያ።

ኢትዮጵያ ንዓለም ኣንፈት ዝሓንፀፀ ታሪኽ ስነ መንግስታ ካብ ትንኮያ ፀላኢ ናፃ ዝኾነትሉ ዘበን ኣይነበረን። ጭዋዳኣ እንትጥንክር ተኸቢራን ተፈሪሓን፤ ዓቕማ እንትደክም ድማ ንመጥቃዕቲ ተቓሊዓ ትፈልጥ እያ።

ብዘይስሰዐ ንመረጋገፂ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ዋጋ ዝኸፍሉ ደቃ ድማ ኩሉ ግዜ ተኸቢራን ተሓፊራን ክትነብር ብተጠንቀቕ ይሕልዉዋ። ሽርሒን ትንኮያን ፀላእታ እውን ዝያዳ ኣጠንኪሮምዋን ጅግንነታ ፈንፂሖም ኣውፂኦምዎን እንበር ሉኣላዊነታ ኣብ ሕቶ አእትዮምዎ ኣይፈልጡን።

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ንኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ጥበብ ወተሃደራዊ ስነ ሓሳብ ተላቢሶም፣ ካብ ርእሶም ሓሊፎም ንናፅነት ካልኦት እውን ዋጋ እናኸፈሉ ክሳብዚ ዘመን በፂሖም እዮም። እዋኑ ዝጠልቦ ሰብኣዊ ባህሪ፣ ወተሃደራዊ ዲሲፕሊንን ስልጠናን እውን ብምሉእ ተላቢሶም እዮም። ፀላኢ ቅድሚ ትንኮያ ደጋጊሙ ክሓስብ ዘገድድ ሰብኣዊ ምዕባለን ዓቕሚ ቴክኖሎጂን ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግንባር ዝተሃነፀ ሰራዊት ኣብ ቅድሚ ምዕባለን ራኢን ኢትዮጵያ ደው ክብል ዝፍትን ዝኾነ ይኹን መሕንኩሎ ንምፅራይ፣ ንዝተረከባ ናፃ ሃገር ብናፅነት ንዝቕፅል ወለዶ ንምርካብ፣ ኢትዮጵያ ኩሉ ድሌታ ኣብ ግዝኣታ ብናፅነት ክትፍፅም ዘኽእላ ዓቕሚ ንኽህልዋ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ተልእኾ ተሓንጊጡ ይሰርሕ ኣሎ።

ንኢትዮጵያ ክፈላልዩን ክፈርሱዋን ዝደልዩ ፀላእቲ ነይሮም፤ ክህልዉ እውን እዮም። እንተኾነ ግን ብሰራዊትና ዝረጋገፅ ዓቕሚ ምፍፃም እናዓበየ፣ ብዝተሃነፀሉ ናይ ዓወት ስነ ልቦናን ብዝተዓጠቖ ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ብዝተኻየደ መካታቲ ሃገራዊ ዘተ ተለኣኣኽቲ ባንዳታት ዝሕብኡሉ ናይ መኾረዪ ቀዳድ ዓፅዮም እዮም። በዚ ድማ ዓቕሚ ፀላኢ ካብ ሓሳብ ሓሊፉ ናብ ተግባር ክሰጋገር ዘይኽእለሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ሎሚ ዘህርፍ ፅባሕ እናሃነፀት፤ ኣብ ሓባራዊ ሓቂ ዝፀንዐት፤ ብዙሕነት ከም ጌፅ ዝገበረ ህዝባዊ ሰራዊት ዘለዋ፣ ኣፍሪካዊት ተምሳሌት ምዕባለ ንምዃን ናብ ብራኸ እናተወንዐፈት ትርከብ ሃገር እያ። ካብዚ ጉዕዞኣ ከዕንቅፋ ዝደሊ ዝኾነ ይኹን መሕንኩሎ ኩሉ ደጋጊሙ ክሓስብ ዘገድድ፣ ናይ ኣየር፣ ባሕሪን ሳይበርን ትካልን ሰራዊትን ሃኒፃ እያ።

ሎሚ 3 ጳጉሜን መዓልቲ ፅንዓት እንትነኽብር ንሉኣላውነትን ናፅነትን ኢትዮጵያ ንምኽባር፣ ንህዝባ ሰላምን ድሕነትን ንምርግጋፅ መስዋእቲ ዝኸፈሉን እናኸሉ ዝርከቡን ጀጋኑ ብምኽባርን ንዘበርከቱዎ ኣሰርን ኣጠናኺርና ንምቕፃል ቃል ብምእታው እዩ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment